Good News

Good News ኣብ ኤርትራ ኣተባባዒ ንጥፈታት ልምዓት ተተግቢሩ

Good News ኣብ ኤርትራ ኣተባባዒ ንጥፈታት ልምዓት ተተግቢሩ

ኣብ ንኡስ ዞባ ቅሮራ፡ ኣብ ምጥርናፍ ዓድታትን ምጽጋን ጽርግያታትን ውጽኢታዊ ስራሕ ከምእተሰርሐ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ እድሪስ ዓሊ መሓመድ ገሊጹ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ሰራዊትን፡ ልዕሊ 200 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ንምምሕዳራት ከባቢ ዘራኽብ ጽርግያታት – ማለት ጽርግያ እማህሚመ-ጉሮይቶ-ፋሕብሌቃት-ሓጥረት፡ ከምኡ’ውን ጽርግያ እማህሚመ-ቀብር-ወአት-ኣራ ከምእተጸገነ ሓቢሩ። ህዝቢ ዝተማልአ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኽረክብ፡ ምጥርናፍ ዓድታት መሰረታዊ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ እድሪስ፡ በዚ መሰረት ግልዕን ጠሮባን ኣብ ኣራግ፡ ካልኦት ዓድታት ድማ ኣብ ሓሊበትን ሕሽክብን ክጥርነፋ ምስ ህዝቢ ምርድዳእ ተገይሩ – እቲ መደብ ኣብ ምትግባር ከምዝርከብ ገሊጹ። ህዝቢ ስሩዕ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ሓራት ክረክብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከም እተዘራረቡሉ፡ ናብ እምሃሚመ ዝወስድ ቀንዲ መስመር እንተደኣ ተጸጊኑ ድማ ኣገልግሎት ክረኽቡ ምዃኖም ከምእተሓበሮም ዝገለጸ ኣቶ እድሪስ፡ ነቶም ልዑል ታሪፍ ዘኽፍሉ ሰብ-መካይን ንምቁጽጻር – ብደረጃ ንኡስ ዞባ ኮሚተ ቈይማ ከምዘላ ኣገንዚቡ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣብያተ-ትምህርቲ ተዘርጊሑ ክነሱ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣዝዩ ትሑት ምህላዉ ብምዝኽኻር፡ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓፈሻ ወለዲ ድማ ብፍላይ ልዑል ኣቓልቦ ክህብዎ ተላብዩ።