EU investment deal

Germany seeks ‘stable’ ties with China, EU investment deal

ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቻይናን፡ ኩሉመዳያዊ ዝምድናኦም ከዕዝዙ ከምእተረዳድኡ ተቓሊሑ።
እቲ ምርድዳእ’ዚ፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ክልቲኦም ወገናት ብ9 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ማንዛዊ ቪድዮ ኮንፈረንስ’ዩ
ተበጺሑ።
ኣብ’ዚ 10ይ ዓመታዊ ርክብ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቻይናን፡ ቍጠባዊ ዝምድናኦም
ብሓፈሻ፡ ንግዳዊ ድማ ብፍላይ ንምድንፋዕ ጻዕሮም ከሕይሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም።
ነቲ ስምምዕ ንምትግባር፡ ቀጻሊ ርክብ ክካየድ ምዃኑ’ዮም፡ እቶም ሰበ-ስልጣን ብተወሳኺ ሓቢሮም።
ምስ ኣመሪካ ኣብ ንግዳዊ ዘይምቅዳው ኣትያ ዘላ ቻይና፡ ምስ ካልኦት ሃገራት እትገብሮ ንግዳዊ ንጥፈታት
ንምስፋሕ ብዕቱብ ትሰርሕ ከምዘላ፡ ጸብጻባት ይገልጹ።