insurance

Frustrated Illinois dad pays insurance settlement with four tons

Frustrated Illinois dad pays insurance settlement with four tons

ኣብ ኢሊኖይ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ሓደ ሰብኣይ ድሕሪ ዘጋጠሞ ናይ መኪና ሓደጋ፡ ንእሽቶ ወዱ ክመውት እንከሎ ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ክሳራ ወሪዱ። ድሕሪኡ ኣብ መንጎ ሮጀር ሄሪንን መጋጭውቱን ነዊሕ ናይ ቤት ፍርዲ ክርክር ስዒቡ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ቤት ፍርዲ፡ ሮጀር ሄሪን ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ወሲኑ። በዚ ዘንጸርጸረ ሄሪን፡ ኣብቲ ብይን ዘለዎ ዘይዕጉብነት ንምግላጽ፡ ነቲ ገንዘብ ብሳናቲም ክኸፍሎ ወሲኑ። 150 ሽሕ ዶላር ኣብ ባንክ ናብ ሳናቲም ድሕሪ ምቕያር ከኣ፡ ኣብ 150 ከያሹ ገይሩ ሓደ ሲሶ ናይ ዕዳኡ ከፈለ። እቲ ሳናቲምብሚዛን 40 ኩንታል እዩ። “ዓቕለይ ስለዝጸበበኒ እየ ገይረዮ እምበር ከዕግበኒ ኢለ ኣይኮንኩን። ወደይ ጠፊኡ እዩ። ኩሉ’ዚ ገንዘብ’ዚ ወደይ ክመልሰለይ ኣይክእልን እዩ” ይብል ሄሪን ምስ ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝገበሮ ሕቶን መልስን። እዚ ይኹን’ምበር፡ ሮጀር ሃሪን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ መድሕን ትካላት እቱው ስለዝነበረ፡ ካብ ኩላተን ብድምር 1. ዶላር ካሕሳ ከምዝረኸበ ኣይሓብአን። እቲ ወዲ 76 ዓመት ኣቦ፡ ነቲ ሳናቲም ዝመልአ ከያሹ ብዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ገይሩ እዩ ናብተን ክቕበልኦ ዝተዳለዋ ሕጋውያን ትካላት ናይቶም መከራኽርቱ ኣብጺሕዎ።
6 ሚልዮን