Flight Attendant

Flight Attendant Who Survived Jetliner Blast

Flight Attendant Who Survived Jetliner Blast

ካብ ነዊሕ ብራኸ ጸዲፎም
ብህይወት ካብ ዝተረፉ ሓያሎ
ሰባት ምጥቃስ ይከኣል እዩ።
ብማዕከናት ዜና ወትሩ ዝቃልሑ
ካብ ርሻናት ብ መ ስ ኮ ት
ጸዲፎም ኣብ ኣግራብ እናዓለቡ
ወይ ሓላፍ መንገዲ እናቘለቦም
ካብ ሞት ብዛዕባ ዝሰረሩ ሰባት’ውን
ከነዕልል ንኽእል ኢና። ኣብዚ ቕንያት
እዚ ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ መዛግብቲ
ግና፡ ቬስና ቩሎቪች ዝተባህለት ጓል
ቸክ ሪፓብሊክ ክብረ ወሰን ሒዛ ከም
ዘላ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ማለት
ኣብ 1972 ጓል 22 ዓመት እንከላ ናይ
ነፋሪት ኣሳሳይት (ሆስተስ) ኰይና
ትስርሕ ነይራ። ሓደ መዓልቲ ኣብ
በረራ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ እታ ነፋሪት ኣብ
ውሽጣ ብዝተጻወደ ቦምብ ኣብ ሃዋህው
እንከላ ተበታቲና። ኩሎም ገያሾን ሰራሕተኛታትን
ሞይቶም – ቬስና ግና ብተኣምር ድሒና!
ንሳ ናብ ምድሪ 10 ሽሕ ሜትሮ (10 ኪ.ሜተር)
ካብ ዘለዎ ብራኸ ብዘይጋንጽላ
እያ ወዲቓ። ብሰንኪ እቲ ረጽሚ ሽክናኣ ነቒዑ፣
ዓጽሚ ዓንድሕቖኣ ተሰይሩ፣ ኣእጋራ
ተሓምሺሹ። ለሚሳ ኸኣ፡ ንሓደ ወርሒ
ዝኣክል ቀልቢ ኣጥፊኣ ኣብ ሃለፍታ ኣትያ ጸኒሓ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና፡ ካብቲ ኹሉ ሓውያ
ተመሊሳ ኣብቲ ዝነበረትሉ ስራሕ ክትቁጸር
ምብቅዓ’ዩ። ቪስና ከም ካልኦት ፍርሒ ናይ
በረራ ይኹን ናይ ብራኸ ኣየማዕበለትን።
ኣብ 1985 ድማ ኣብ መዝገብ ጊኒስ “ብዘይ
ጋንጽላ ብምውራድ” ዝብል ክብረ ወሰን
ተረጋጊጹላ ይርከብ።