Extra tooth growing in roof of mouth
ኣብ በርሚንግሃም (እንግሊዝ) ሓደ
ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንቡር 32
ኣስናኑ፡ መበል 33 ስኒ ኣብ ትንሓጉ
ከምዘብቆለ፡ ዘ ሚረር ዝተባህለት ጋዜጣ
ናይቲ ሃገር ሓቢራ።
እዚ ንብዙሓት ኣገሪሙ ዘሎ ስኒ፡
ጽልዋ ናይ ገለ መድሃኒት ወይ’ውን
ዕጸ-ፋርስ ክኸውን ከምዝኽእል እኳ
ተመራመርቲ እንተገመቱ፡ እቲ ሰብኣይ
ግን ብተፈጥሮ ዝመጾ ደኣ’ምበር፡
ብዙሕ ኣፋውስ ወሲዱ ከምዘይፈልጥን
ናይ ሓሹሽ ይኹን ካልእ ዝኾነ ይኹን
ወልፊ ከምዘይብሉን እዩ ዝገልጽ።ንሱ ቀጺሉ፡
ኩ ነ ታ ቱ
ብ መ ን ገ ዲ
ኢ ን ተ ር ነ ት
ን ብ ዙ ሓ ት
ኣ ገ ሪ ሙ
ስለዘሎ፡ እቲ
ኣ ቐ ዲ ሙ
ሓሲብዎ ዝነበረ
ናይ ምስዳዱ
ውሳኔ ንግዜኡ
ኣወንዚፍዎ
ክጸንሕ ምዃኑ
ኣ ፍ ሊ ጡ
ኣሎ።