mother

Excessive bleeding claims expectant mother

Excessive bleeding claims expectant mother

ማርሊዝ ሙኖዝ ዝተባህለት ኣብ
ቴክሳስ ዝምቕማጣ ኣመሪካዊት ኣደ ናይ
ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ (98 መዓልታት)
ጥንሲ ሒዛ እንከላ’ያ ቅድሚ ሒደት
ሳምንቲ ኣብ ገዛኣ ሓደጋ ኣጋጢምዋ።
ኣብ ክሽነኣ ኮይና እናዓየየት እንከላ
ሃንደበት ሸተት ኢላ ድሕሪ ምውዳቓ
ርእሳ ብኸቢድ ተሃሪማ። ኣብ ሆስፒታል
ሓካይም ብዘካየዱላ መርመራ ድማ፡
ሓንጎላ በቲ ዘጋጠሞ ማህረምቲ ምሉእ
ብምሉእ ከምዝሞተ ኣረጋጊጾምላ። ንግዜኡ
ማለት ንዝተወሰነ መዓልታት ህይወት
ዝልግሰላ መሳርሒ ካብ ምትካል ሓሊፎም
ካልእ ዝገብርዎ ነገር ከምዘይብሎም
ከኣ ንስድራኣ ሓቢሮሞም። ስድራኣን
በዓል-ቤታን ብወገኖም፡ ሙኖዝ ምማታ
ዘይተርፋ እንተኾይኑ ቅድሚ’ቲ ኣብ
ከብዳ ዘሎ ዕሸል ምውላዱ ክትመዉት ክፍቀደላ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ከቕርቡ
ጸኒሖም። ሓካይም’ውን ፍቓድ ወለዳን
በዓል-ቤታን ንኽፍጽሙ ነቲ ኣብ ነብሳ
ዝተኸሉላ ህይወት ዝልግስ ሕክምናዊ
መሳርሒ ንምእላይ ክቀራረቡ ጸኒሖም።
እንተኾነ፡ ቤት-ፍርዲ ቴክሳስ ኣብቲ
ጉዳይ ጣልቃ ብምእታው እታ ጓል 33
ዓመት ነብሰ-ጾር ክሳብ ሕርሲ እትገላገል
ብህይወት ክትጸንሕ ኣዚዙ። በዚ ከኣ
ወለዳን በዓል-ቤታን ናብ ማዕከናት ዜና
ቀሪቦም ቁጥዐኦም ይገልጹ ኣለዉ። ነቲ
ውሳኔ ንምቕያር’ውን ይግባይ ክብሉ
ጀሚሮም ኣለዉ።
ብመሰረት’ቲ ውሳኔ፡ እታ ነብሰ-ጾር ክሳብ
እትሓርስ እቲ ተተኺሉላ ዘሎ ሕክምናዊ
መሳርሒ ኣይክእለየላን’ዩ። ብድሕሪኡ ግን
እንተተኣለየን ብኡ ኣቢላ እንተሞተትን
ቤት-ፍርዲ ቴክሳስ ዝኾነ ተቓዉሞ
የብሉን። ሓካይማ ከምዝሕብሩዎ
እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ከብዳ ዘሎ ዕሸል
ኣብ ደሓን ኩነታት ጥዕና’ዩ ዝርከብ።