About YouTube

Everything You Need To Know About YouTube

Everything You Need To Know About YouTube

ዩቱዩብ፡ ከም ፌይስቡክን ካልኦት መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ሂወት ሰብ ዓቢዪ ቦታ ሒዙ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢ’ዩ። ሓደ ፍሉይ ነገር ምስ እንሰምዕ ወይ ዝኾነ ነገር ምስ እንደሊ፡ ብመገዲ ኢንተርነት ኣብ ዩቱዩብ ኣቲና ብዝቐለለ ክንረኽቦ ንኽእል። እዞም ዝስዕቡ ኣገረምቲ ሓቅታት ብዛዕባ ዩቱዩብ’ዮም። .ኣብዚ ግዜ’ዚ ቀንዲ መራኸቢ ብዙሃን ኮይኑ ዝርከብ ዩቱዩብ፡ ኣብ 2005 ብስቲቨን ቸን፡ ጃወድ ካሪምን ቻድ ሃርለይን ጀሚሩ። .እታ ናይ መጀመሪያ ኣብ ዩቱብ ዝተዘርግሐት ቪዲዮ፡ ብሓደ ካብቶም ረኸብቲ ዩቱዩብ ጃወድ ካሪም ዝተሰርሐት ቪዲዮ ኮይና ብዛዕባ ሓራምዝ ትገልጽ ናይ 18 ካልኢታት ቪድዮ’ያ ነይራ። .ዩቱዩብ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ከባቢታት ዓለም ዓቢዪ ተራ ዘለዎም ናይ ፍርያት ቦታ ከፊቱ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ቶሮንቶ፡ ሎስ ኣንጀለስን ለንደንን ነቶም ኣፍረይቲ ወይ ድማ ሰራሕቲ ብቐረባ መሳለጥያ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ቦታ ኣለዎ። .ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ከባቢ ናይ 4 ቢልዮን ሰዓታት ዝበጽሕ ቪዲዮ ኣብ ዩቱዩብ ይዝርጋሕ። .ኣብ ዩቱዩብ፡ ዝኾነ ዓይነት ርእይቶ ወይ ነቐፌታ ክትጽሕፍ ምስ እትደሊ ብ75 ቋንቋታት ክትጽሕፍ ትኽእል። እዚ ማለት፡ 95% ካብ ህዝቢ ዓለም ክርድኦ ይኽእል ማለት’ዩ። .ነቲ ኣብ ዩቱዩብ ተሰኒዱ ዘሎ ቪድዮ ብምሉኡ ክትርእዮ ካብ 60 ክሳብ 95 ሽሕ ዓመታት ይወስድ።