EritreaShinesAt2020

EritreaShinesAt2020

 

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፡ ከምቲ ሃገር ክትውረር ህይወቱ ዘይበቀቐ፡ ሎሚ’ውን ግዚኡን ዕድሚኡን ምእንቲ ሃገር ብምውፋይ ንኹሉ ብድሆታት ኣላሽ ዘበለ’ዩ፡ ስለ ዝኮነ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮሮና ምስ ተኸስተ ኪኖ ዶባት ኤርትራ ምሕላው፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ንመኸተ ኮሮና ወፊዩም፡ ካብ ናይ ወርሓዊ ሞቕነኖም ንጽጉማቱ ኣካፊሎም። ሕጂ ድማ 4OO ኩንታል ፊኖ፡ 1OO ኩንታል ሽኮርን 5OOO ሊትሮ ዘይቲን ካልእን ዘጠቓልል 2ይ ገጽ ምብርካት ዓይነታዊ ሓገዝ ንጽጉማት ወገናቶም ኣካይዶም። ነዚ ህዝቢ ዓሰርተ ግዜ ክትስዋኣሉ ኣይትጸልእን ዝበሃል ዝነበረ ሕጂ ድማ ባዕሉ ወርሒ ከይበለዐ ወገኑ ጸጊቡ ክሓዲር ብምድላይ ይድገም ኣሎ፡፡ ንኺድ ጥራይ ብርሃን’ዩ ቕድሜና

ረፖርተር :ኣሕመዳኔ መሓመድ ካብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ