Eritrea

Eritrea | ኣብ ኤርትራ ብዘጋጠመ ሓደጋ 16 ሰብ ሞይቶም

Eritrea | ኣብ ኤርትራ ብዘጋጠመ ሓደጋ 16 ሰብ ሞይቶም

ብ28 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ
ኣብ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ – ምምሕዳር
ከባቢ ደጋ ኣብ ዝርከብ ያታዊ
መዐደኒ ወርቂ ብዘጋጠመ ሓደጋ
ምህማም መሬት፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት
ሰብ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ።
ኣብ’ቲ ንጥፈት ተዋፊሮም ካብ
ዝነበሩ ዜጋታት፡ 3 ደቂ-ኣንስትዮ
ዝርከባኦም 16 ሰባት ከምዝሞቱ፡ 3 ገና ደሃዮም ከምዘይተረኽበ፡ 15
ከምዝቖሰሉ፡ 7 ድማ ንእስክላ ብዘይ
ጉድኣት ከምዝደሓኑ፡ ወኪል ኤሪና
ሓቢሩ።
ነቶም ግዳያት ንምርዳእ፡ ህዝብን
ሰራዊትን ጽዑቕ ስራሓት ከምዘካየዱ
ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ
ደጋ ኣቶ ዓብደላ መሓመድ-ዓሊ፡
ሳዕቤናት ያታዊ ዕደና ብምግንዛብ፡
መንግስቲ – እቲ ቦታ ኣብ 2014
ክዕጾ ከምዝሓበረ፡ ውልቀ-ሰባት ግን
ሰሰሊኾም ክዕድኑ ከምዝጸንሑ
ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ህይወት ናይ ምድሓን
ስራሕ ዝተሳተፉ ነበርትን ኣባላት
ሓይልታት ምክልኻልን፡ ንቕሓት
ሕብረተሰብ ክብ ዘብል ጐስጓሳት
ክድፍኣሉ ኣተሓሳሲቦም።

ማእከል – ንምሕደራ ጐሓፍ ዝምልከት
ዓውደ-መጽናዕቲ ተኻዪዱ

ብጨንፈር ኣከባቢ ዞባ ማእከል
ዝተወደበ፡ ናብ ምሕደራ ጐሓፍን
ዕቃበ ኣከባብን ዝቐንዐ ዓውደመጽናዕቲ፡ ብ29 ጥሪ ኣብ ኣስመራ
ተኻዪዱ።
ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን
ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ኣብ
ኣገዳስነት ዳግመ-ምምስራሕ ጐሓፍ
ኣብ ዕቃበ ኣከባቢ መብርሂ ድሕሪ
ምሃብ – ህዝቢ ኣብ ምእላይን
ምሕደራን ጐሓፍ ተራኡ ከዕዝዝተላብዩ።
ዳህሳስን ገምጋምን ኣከባብያዊ
ጽልዋ፡ ምሕደራ ደረቕ ጐሓፍ ኣብ
ዞባ ማእከል፡ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን
ብከላ ኣከባቢ፡ ከምኡ’ውን ምሕደራ
ረሳሕ ፈሳሲ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት
ዘተኰረ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ
ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።
ተሳተፍቲ፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ
ንምዕባይ ብማዕከናት ዜና ዝካየድ
ጐስጓሳት ቀጻልነት ክህልዎ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ናብ ሃገር
ዝኣቱ ዘሎ ፌስታላት ግቡእ ቁጽጽር
ክግበረሉ፡ ደረቕን ፈሳስን ጐሓፍ
ንምእላይን ንምውጋንን ዝሕግዝ
እኹል ባጀት ክስላዕ ዝብሉ ለበዋታት
ኣቕሪቦም።
ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ
ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡
ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቀላቐል ዘሎ ብዝሒ
ዘለዎ ፌስታላት፡ ግቡእ ምቁጽጻር
ክግበረሉ ምዃኑ ገሊጹ።