ብቐዳም 27 ሰነ ንካልኣይን ናይ መወዳእታን ጉጅለ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ
መርመራታት፡ 24 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምእተለኽፉ ተረጋጊጹ።
***
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ሱዳን ብብዝሒ ኣትዮም ኣብ ከባቢ ኣዲባራ ኣብ
ዝርከብ ማእከላት ተወሺቦም ንዝጸንሑ፡ ብቐዳም 27 ሰነ ንካልኣይን ናይ
መወዳእታን ጉጅለ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 24 ሰባት ብኮሮና
ቫይረስ ከምእተለኽፉ ተረጋጊጹ’ሎ።
ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ተኣጊዱ’ኳ እንተሎ፡ ፍኑው ዋሕዚ
ዜጋታት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን
ባሕርን ግና ቀጻሊ’ዩ ዘሎ።
ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ
191 በጺሑ’ሎ። 53 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን
ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ 138 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ይርከቡ።