Dubai

Dubai police give gifts to speeders

Dubai police give gifts to speeders

ፖሊስ ከተማ ዱባይ ኣብታ ከተማ
ንዝፍጠር ብዝሒ ሓደጋ ትራፊክ
ንምንካይ ናይ ጐስጓሳትን ወፈራታትን
ኣስተምህሮ ክህብ ኣብ ዝቐነየሉ ሳምንቲ፡
ብልዑል ናህሪ ንዝጎዩ መራሕቲ
መካይን ኣብ ክንዲ ናይ መቕጻዕቲ
ቲኬት፡ ሽልማት ክህቦም ከም ዝቐነየ
‘ኣልበያን ኣልኢማራትያ’ ሓቢሩ።
እቲ ብሓፈሻዊ ምምሕዳር ፖሊስ
ትራፊክ ከተማ ዱባይ ኣብ ዝተዳለወ
ጎስጓሳት፡ ብሰንኪ ናህሪ ብፖሊስ
ጠጠው ክብሉ ዝተኣዘዙ ዘወርቲ
መካይን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝተዳለወ
ቴንዳታት ብምውሳድ ናህሪ ዘምጸኦ
መዘዛት ዘርኢ ቪደዮታትን ኣብ
ህይወት ዘውርዶ ክሳራታትን ዘረድኡ ፊልምታት ክዕዘቡ ዘገድድ እዩ
ነይሩ።
ኣብዚ “ናህሪ ይቐትል” ብዝብል
ጭርሖ ክካየድ ዝወረሐ ጐስጓሳት ኣብ
ኣእምሮ መራሕቲ መካይን ኣፍልጦ
ንምስራጽ ዝተገብረ ፈተነ ኣዕጋቢ
ውጽኢት ከም ዝተረኽቦ ምምሕዳር
ፖሊስ ትራፊክ ዱባይ ሓቢሩ። ነቶም
ሕጊ ትራፊክ ዝጠሓሱ መራሕቲ
መካይን ክወሃብ ዝቐነየ መቝሽሽ
“ኣገዳሲ” ናውቲ ተባሂሉ ካብ
ምጥቃስ ሓሊፉ እንታይ ከም
ዝዀነ እቲ ምንጪ ብዝርዝር
ኣይጠቐሰን።
ሓደጋ ምስ ተፈጸመ ካብ
ምቕጻዕ ሓደጋ ከይፈጸመ
ምስትምሃር ዝበለጸ ውጽኢት
ዘለዎ ምዃኑ ከኣ ወሃብቲ ርእይቶ