PREGNANT

Doctors tell man he’s PREGNANT

Doctors tell man he’s PREGNANT

ኣብ ግብጺ፡ ከም ኣካል ናይቲ በብእዋኑ
ዕጸ-ፋርስ ንምቁጽጻር ብሰብ ሞያ ጥዕና
ዝካየድ ሃንደበታዊ መርመራ፡ ሓደ
መራሕ ኣውቶቡስ ካብቶም ክምርመሩ
ሽንቶም ክህቡ ብወዝቢ ዕጫ ዝበጽሖም
ሰባት ኮይኑ። ብኡ መሰረት፡ ሽንቱ ክህብ
ተሓቲቱ።
እቲ ሰብኣይ ኣብ ክንዲ ናቱ ናይ
በዓልቲ ቤቱ ሽንቲ ድሕሪ ምሃቡ፡
ውጽኢት መርመራ ክቕበል ኣብ
ዝኸደሉ እዋን፡ ሓካይም ጥንሲ ከምዘለዎ
ሓቢሮምዎ።
ኣልዮም ኣል ሳቢ ዝተባህለ መርበብ
ግብጺ፡ ጥንሲ ኣለካ ዝተባህለ ሰብኣይ!
ሓበሬታ ምስሪ ከምዝሓበሮ፡ በዓልቲ ቤት
ናይቲ ሰብኣይ ናይ ክልተ ወርሒ ጥንሲ
ነይሩዋ እዩ።
እቲ ዜና ዘስሕቕ እኳ እንተኾነ፡ ምስ
ዕላማ ናይቲ መርመራ ብምዝማድ ግን
ካልእ ዝዓሞቐ ኣመት ከምዘለዎ እዮም
ሰብ መዚ ጥዕና ዝገልጹ። እቲ ሰብኣይ
ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ተሓቲቱ
ዝሃቦ ብዙሕ ዘዕግብ መልሲ እኳ
እንተዘየለ፡ ሰብ መዚ ጥዕና’ታ ሃገር ግን፡
ካልኣይ ግዜ መርመራ ክገብር ምዃኑን
ነቲ ጉዳይ ኣቃሊሎም ከምዘይርእይዎን
እዮም ዝገልጹ።
ኣብታ ሃገር ሓሽሽ ልክዕ ከም ሽጋራ
ኣዝዩ ዝውቱር እናኾነ ምምጽኡ ዝሓበሩ
እቶም ሰብ መዚ ጥዕና፡ ካብ ሕጂ ንንዮው
በዓል መዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ ንኣባላቱ
ኣብ ናቱ ሆስፒታል ናይ ሽንትን ደምን
መርመራ ከካዪደሎም ምዃኑ ኣፍሊጦም
ኣለዉ። በዚ ከኣ፡ እቶም ብናይ ካልእ
ሰብ ሽንቲ ወይ ደም ከደናግሩ ዝፍትኑ
መራሕቲ መካይን ዕድል ክረኽቡ
ከምዘይኮኑ እዩ እቲ ምንጪ ዘረድእ።