Dick Cheney

Dick Cheney had heart device partially disabled to thwart

Dick Cheney had heart device partially disabled to thwart

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዲክ ቸኒ፡ ኣሸበርቲ በቲ ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ከባቢ ልቡ ተተኺሉ ዝርከብ ኤለክትሮንያዊ መሳርሒ ተሓጊዞም ከይቀትልዎ ከቢድ ስግኣት ከምዘለዎ ምስ ቴለቪዥን ሲ. ዘካየዶ ቃለ-ምሕትት ገሊጹ። እቲ ወዲ 72 ዓመት በዓል-ስልጣን ነበር፡ ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ልቡ ድሕሪ ምቕያር፡ ህርመት ናይ’ታ ሓዳስ ልቡ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ኣብ ዉሽጢ ኣፍ-ልቡ ገመድ ኣልቦ ኤለክትሮንያዊ መሳርሒ ተተኺሉ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ። በዚ ድማ ኣሸበርቲ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ኣፍልቡ ተተኺሉ ዝርከብ ኤለክትሮንያዊ መሳርሒ ብርሑቕ ዝእዝዝ ካልእ ናይ መቆጻጸሪ መሳርሒ ከይውንኑ’ሞ ብእኡ ኣቢሎም ከይቀትልዎ ተሸቑሪሩ ይነብር ከምዘሎ ተኣሚኑ። ንሱ ወሲኹ፡ ካብቲ ድቃስ ከሊእዎ ከምዘሎ ዝገለጾ ራዕዲ ቅሩብ እፎይታ እንተረኸበ ብምባል ምስ ሓኪሙ ተረዳዲኡ እቲ ኤለክትሮንያዊ መሳርሒ ንግዜኡ ስርሑ ደው ከምዘብል ጌርዎ ከምዘሎ ኣረዲኡ። እቲ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ንጥዕናኡ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሓደገኛ ምዃኑ’ኳ እንተዘይሓብአ፡ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብሉ ግን ከምኡ ክገብር ከምዝተገደደ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።ብ11 መስከረም 2001 ኒውዮርክ ብኣሸበርቲ ክትዓኑ ምስ ረኣየ ልቡ ስቱኽ ኢላቶ ምንባራ ዝንገረሉ ዲክ ቸኒ፡ ገና ወዲ 35 ዓመት እንከሎ ብወቕዒ ልቢ ክጥቃዕ ከምዝጀመረ’ዩ ዝግለጽ። ካብኡ ንደሓር ከኣ ብጠቕላላ ንሓሙሽተ ግዜ ከምዝተጠቕዐን ብሳላ ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ከምዝደሓነን ሓካይሙ የረድኡ።ቢ. ኤስ ኣብ