American Book

Des Destinees de l’Ame The American Book

Des Destinees de l’Ame The American Book

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝርከብ Des
destinees de l’ame (ጽሕፍቶ ናይታ
ነብሲ) ዘርእስቱ መጽሓፍ፡ ተጠሪዝሉ
ዘሎ ገበር ናይ ሰብ ቈርበት ምዃኑ
ተመራመርቲ ገሊጾም።
እዚ ጸሓፊኡ ኣብ 1880ታት ንዓርኩ
ከምዝሃቦ ዝፍለጥ መጽሓፍ’ዚ፡ እቲ ተቐባሊ
ነቲ መጽሓፍ ብቘርበት ሰብ ጠሪዝዎ
ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
እቲ ካብ 1930 ኣትሒዙ ኣብ ቤተ
መጽሓፍቲ ሃርቫርድ ዝርከብ መጽሓፍ፡
ክኢላታት ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ላባራቶሪ
መርመራ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ
መጠረዚኡ ቈርበት ሰብ ምዃኑ ዝፍለጥ
ዘሎ።
ብዛዕባ’ቲ ከምኡ ዝገበረ ሰብ ዛጊት
ተኻዪዱ ብዘሎ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ከኣ፡
እቲ ሰብ ነቲ ቈርበት ካብ ሬሳ ናይ ሓንቲ
ብሕማም ዝሞተት ናይ ኣእምሮ ጸገም
ዝነበራ ሰብ ከምዝወሰዶ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ መበል 16
ዘመን ጀሚሮም ብናይ ገበነኛታት ሰባት
ቈርበት ዝተጠረዙ መጽሓፍቲ ብብዝሒ
ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ቢቢሲ፡ ኣብ ቤተ
መጽሓፍቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ግን፡ እዛ
መጽሓፍ’ዚኣ ጥራይ ምዃና ኣነጺሩ።