Quit Smoking

Decided To Quit Smoking ዝበለጸ ሜላ ንምቁራጽ ምትካኽ ሽጋራ

Decided To Quit Smoking ዝበለጸ ሜላ ንምቁራጽ ምትካኽ ሽጋራ

ሃገራዊ ማእከል ጥዕና ብሪጣንያ ኣብ
ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ምቁራጽ ምትካኽ
ሽጋራ ዝሓሸ ውጽኢት ረኺበሉ ዝበሎ
ሜላ ንማዕከናት ዜና ዘርጊሑ ኣሎ። እቲ
በቲ ትካል ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ምትካኽ
ሽጋራ ብዕዉት መንገዲ ክቋረጽ ዝኽእል
ንውሽጢ ዝስሓብ ትኪ ብምውሓድ
ምስ ዝጅመር ምዃኑ ዘረድእ’ዩ። እቲ
ትካል ኣብ ሓበሬታኡ፡ ምትካኽ ሽጋራ
ከቋርጹዎ ዝደልዩ ሰባት፡ ዓቐን ናይቲ
መዓልታዊ ንውሽጦም ዝስሕቡዎ
ትኪ ብምቕናስ ምስ ዝጅምሩዎ፡ ምስ
ግዜ ከቋርጹዎ ከምዝኽእሉ ክጠራጠሩ
ከምዘይብሎም ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ
እተረጋገጸ ስለዝዀነ፡ ነቲ ስጉምቲ
ተስፋ ከይቆረጹ ክጅምሩዎ መኺሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣትከኽቲ ሽጋራ ጎድኒጎድኒ’ቲ ንውሽጥኻ ቁሩብ ትኪ ናይ
ምስሓብ ሜላ፡ ወልፊ እናተሰምዖም’ውን
እንተዀነ ቁጽሪ ናይቲ መዓልታዊ
ዘህልኽዎ ሽጋራ እናጕደልዎ ምስ
ዝኸዱ ቀልጢፎም ከቋርጹ ዝለዓለ
ዕድል ከምዝህልዎም ኣረዲኡ። እዚ
ብሃገራዊ ማእከል ጥዕና ብሪጣንያውን
ተገሊጹ ዘሎ ሜላ፡ ኣትከኽቲ ቀስ ብቐስ፡
ነቲ ሽጋራ ኣብ ምስትምቓር ናይ ባህሪ
ለውጢ ከምጽኡ ስለ ዝሕግዞም፡ ምትካኽ
ከቋርጹ ከምዝኽእሉ ክኢላ ህዝባዊ ጥዕና
ፕሮፈሰር ማይክ ከሊ ኣረዲኡ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ እዚ ሜላ’ዚ ውጽኢቱ
ኣብ ወልፊ ሽጋራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ
ዝዀነ ዓይነት ወልፊ’ውን እወታዊምዃኑ ብምምልካት፡ ዝዀነ ዓይነት
ወልፊ ዘለዎም ሰባት፡ ዓቐን ናይቲ
ዝወስዱዎ ነገር ተስፋ ከይቆረጹ
እናጉደሉሉ ምስ ዝኸዱ፡ ምስ ግዜ
ካብቲ ወልፊ ክገላገሉ ከምዝኽእሉ
ሓቢሩ። ካብቶም እኹል ዕድመ ዘለዎም
ብሪጣንያውያን፡ ኣስታት 20% ሽጋራ
የትክኹ። ክልተ ሲሶ ካብኣቶም ድማ፡
ምትካኽ ሽጋራ ከቋርጹዎ ከምዝደልዩ
መጽናዕትታት ይገልጹ። እዚ ሓቅነቱ
ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ ዘሎ ብሃገራዊ
ማእከል ጥዕና ብሪጣንያ ዝወጸ ሓበሬታ፡
ንብዙሓት ምትካኽ ሽጋራ ከቋርጹ ሃረር
ዝብሉ ዘለዉ ብሪጣንያውያን ተስፋ
ከምዝኸውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
የረድእ።