COVID-19

COVID-19 – latest news, breaking stories and comment

COVID-19 – latest news, breaking stories and comment

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንግ-ፒንግ፡ ናብቲ መበገሲ ቀታሊ ቫይረስ ኮሮና ዝዀነት ከተማ ‘ዉሃን’ ብኣካል ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ። እዚ ምብጻሕ፡ ለብዒ’ቲ ቫይረስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ናይ መጀመርያ ክኸውን እንከሎ፡ መንግስቲ በይጂንግ ንምቁጽጻሩ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪታት ብግቡእ ይዕመም ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ፕረዚደንት፡ ናብታ ከተማ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ከንቆልቍል ድሕሪ ምጅማሩ እዩ። ቻይና ነቲ ዘጋጠማ ለብዒ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከተውዕሎ ድሕሪ ምጅማራ፡ እቲ ቫይረስ ከም ብሓድሽ ካብተን ብብዝሒ ምልባዕ’ቲ ቫይረስ ዝረኣየለን ዘሎ ሃገራት ብዝመጽኡ ገያሾ ዳግም ከየስፋሕፍሕ ኣብ ምቁጽጻርን፡ ንገያሾ ድማ ኣብ ናይ ምውሻብን መስርሕ ብተወሳኺ ትነጥፍ ምህላዋ እዩ ዝሕበር። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኢጣልያ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ጥራይኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት ናይ ውሸባ ስጉምቲ ዝያዳ ብምስፋሕ፡ ካብ ብቕድሚ ትማሊ ኣትሒዛ ብምሉኣ’ታ ሃገር ክትውሸብ ከም እተገብረ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ፡ ብሰኑይ ኣማስያኡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፐ ኮንተ ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ እዩ ተሓቢሩ። ኢጣልያ ነዚ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፎምን ኣስታት 463 ድማ ህይወቶም ድሕሪ ምስኣኖምን እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኮሮና ቫይረስ ንምሉእ ዓለም ኣስጋኢ ዝዀነ ተላባዒ ሕማም እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ውድብ ክሳብ ዝሓለፈ ሰኑይ ብዘውጽኦ ጸብጻብ መሰረት፡ ብዓለም ለኸ ደረጃ ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ልዕሊ 3800 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 110 ሽሕ ድማ ከም እተለኽፉ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።