Coronavirus

Coronavirus Updates: Disease Caused by Virus

Coronavirus Updates: Disease Caused by Virus

ሰንክ’ቲ ናብ ልዕሊ 58 ሃገራት
ከም ዝተላብዕ ዝግለጸሉ ዘሎ
ብ“COVID 19’’ ዝጽዋዕ ዓይነት
ቫይረስ ዝሞቱ ግዳያት፡ 3000
በጺሑ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና
ዓለም ኣፍሊጣ። ኣብ ኤውሮጳ
ናይ መጀምርታ ኮሮና ቫይረስ ኣብ
ዝተራእየላ ኢጣልያ፡ በቲ ሕማም
ዘተለኽፉ ዜጋታት ኣስታት 1700
በጺሑ ከም ዘሎ ሰብ መዚ ጥዕና
እታ ሃገር ገሊጾም።
ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ
ኡርሱላ ቮንደር፡ ብኮሮና ቫይረስ
ዝስዕብ ዘሎ ሞት ኤውሮጳውያን
ብናህሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ብምሕባር፡
ዛጊት ኣብታ ክፍሊ ሃገር ኣስታት2200 ህዝቢ በቲ ተላባዒ ሕማም
ከም ዝተለኸፉን 36 ሰባት ከም
ዝሞቱን ሓቢራ።
በዚ ብቕልጡፍ እናተላብዐ
ዝኸይድ ዘሎ ሓድሽ ቫይረስ፡ ኣብ
ዝተፈላለዩ ሃገራት ብድምር ኣስታት
89,000 ህዝቢ ከም ዝተለኽፈ
ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።