Coronavirus symptoms

Coronavirus symptoms: what are they

Coronavirus symptoms: what are they

ቻይና፡ ካብ ብኮሮና ቫይረስ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ መሬታ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ኣብ ውሸባ ምእታው ክትጅምር ምዃና ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን። ብመሰረት ሰብ መዚ ከተማ በይጂንግ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ካብ’ተን እቲ ቫይረስ ብብዝሒ ዝላብዓለን ዘሎ ከም ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓን፡ ኢራን፡ ከምኡ ድማ ጣልያን፡ ናብ’ታ ከተማ ዝኣትዉ ሰባት ክውሸቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ፡ ከተማታት ሻንግሃይን ጉዋንግዶንግን፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲደን ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ። እታ ሃገር ነዚ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ፡ ሰብ መዚ’ታ ሃገር፡ እቲ ቀታሊ ቫይረስ ብመንገዲ በጻሕቲ ኣቢሉ ዳግማይ ኣብ’ታ ሃገር ንኸይላባዕ ብምስጋእ እዩ። ዋላ’ኳ ዝበዝሕ ሞት ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ኣብ ቻይና እንተ ኣጋጠመ፡ ብቕድሚ ትማሊ ብዝተኻየደ ምክትታል ግን፡ ካብ ኣብ ውሽጢ ቻይና ዘጋጠመ መልከፍቲ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘጋጠመ መልከፍቲ ቫይረስ ብትሽዓተ ዕጽፊ ዛይዱ ከም ዝተረኽበ እዩ ዝሕበር ዘሎ። ብዝይካ’ዚ ሰብ መዚ ቻይና፡ ዜጋታት’ታ ሃገር ናብ ካልኦት ሃገራት ዝገብርዎ መገሻታት ዳግመ-ግምት ክገብሩሉ ይምሕጸኑ ምህላዎም ይግለጽ። ቻይና፡ ትማሊ 125 ሰባት ጥራይ በቲ ቫይረስ ከም እተለኽፉ ምሕባራ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ሳምንታት ኣብ’ታ ሃገር ብትሽዓተ ዕጽፊ ዛይዱ ከም ዝተረኽበ እዩ ዝሕበር ዘሎ። ብዝይካ’ዚ ሰብ መዚ ቻይና፡ ዜጋታት’ታ ሃገር ናብ ካልኦት ሃገራት ዝገብርዎ መገሻታት ዳግመ-ግምት ክገብሩሉ ይምሕጸኑ ምህላዎም ይግለጽ። ቻይና፡ ትማሊ 125 ሰባት ጥራይ በቲ ቫይረስ ከም እተለኽፉ ምሕባራ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ሳምንታት ኣብ’ታ ሃገር