Coronavirus

Coronavirus disease named Covid 19

Coronavirus disease named Covid 19

ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ
ተለኺፎም ህይወቶም ዝስእኑ ዘለዉ
ዜጋታት ቻይና ካብ መዓልቲ ናብ
መዓልቲ እናዛየደ ይኸይድ ምህላዉ
ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን። ኣብዚ
ግዜ’ዚ ልዕሊ 900 ዜጋታት ቻይና በቲ ሕማም ተለኺፎም ክሞቱ እንከለዉ፡
ካልኦት ልዕሊ 40 ሽሕ ድማ በቲ
ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ውድብ
ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 8 ለካቲት ጥራይ
97 ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉዜጋታት ከም ዝሞቱ ዝሓበሩ ሰብ መዚ
ጥዕና እታ ሃገር፡ እዚ ቫይረስ’ዚ ዛጊት
ኣስዒቡዎ ብዘሎ መጠን ሞት፡ ነቲ
ኣብ 2003 ካብ ቻይና ተበጊሱ ናብ
መላእ ዓለም ብምልባዕ ሂወት ኣስታት
800 ሰባት ዝቐዘፈ ቫይረስ ሳርስ ከም
ዝሓለፎ ገሊጾም።
ኣብ ቻይና ሓድሽ መልከፍቲ
ቫይረስ ኮሮና ካብቲ ዝቐነዮ ቍሩብ
ቀኒሱ ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ፡ ሰንበት
8 ለካቲት ግን እታ ዝበዝሐ ምዉታት
ዝተራእዩላ መዓልቲ ኮይና ተመዝጊባ
ኣላ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ
ቻይና ንመጀመርታ ግዜ ዝተራእየ
ብ ‘2019 n-COV’ ዝፍለጥ ዓይነት
ቫይረስ፡ ዛጊት ናብ 27 ዝተፈላለያ
ሃገራት ተላቢዑ ከም ዘሎ ጸብጻባት
ይሕብሩ።