Coronavirus (COVID-19)

Coronavirus (COVID-19) events as they happen

Coronavirus (COVID-19) events as they happen

ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዉሃን – ቻይን ድሕሪ ምኽሳቱ ዛጊት ናብ ኣስታት 114 ሃገራት ተላቢዑ ዘሎ ‘ኮቪድ-19’ ወይ ‘COVID-19’ ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ዓይነት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንዓለም ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚሙዋ ይርከብ። መዓልታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት በዚ ቫይረስ ይልከፉ ኣለዉ። ተለኺፎም ህይወቶም ዝስእኑ ዘለዉ ዜጋታት እውን ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ክኸይድ ኣሎ። ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ሓደ ካብቶም ብኮሮኖቫይረስ ዝጽውዑ ተላባዕቲ ቫይረሳት ኮይኑ፡ ካብ እንስስታት ናብ ሰባት ክመሓላለፍ ዓቢ ተኽእሎ ዘለዎ ዓይነት ቫይረስ እናተባህለ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰባት ተራእዩ ዘይፈልጥ ለበዳ ቫይረስ፡ ኣብ ከተማ ዉሃን – ቻይና ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ስጋ እንስሳታት ጀሚሩ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝገልጹ። እዚ ምልክታቱ ብርቱዕ ረስኒ፡ ሰዓል፡ ከቢድ ናይ ስርዓተምስትንፋስ ጸገማትን ካልእን ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ቫይረስ ኮቪድ19፡ ምስቲ ኣብ 2003 ኣብ ቻይና ንፈለማ ግዚኡ ተራእዩ ዝነበረ – ካብ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ሓደ ዝኾነ ሳርስ ብዙሕ ምምስሳል ከም ዘለዎ ክኢላታት ጥዕና ይሕብሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ለበዳ ሳርስ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ 27 ሃገራት ብምልባዕ ንልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ክለክፍ እንከሎ፡ ንኻልኦት ኣስታት 800 ድማ ከም ዝቐተለ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ን14 መዓልታት ዝኾነ ምልክታት ከየርኣየ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ። ሓደ ሓደ ሰባት እውን ምልክት ናይ’ቲ ሕማም ከየርኣዩ፡ ነቲ ቫይረስ ብምህንጣስ፡ ብምስዓል፡ ብሰላምታን ካልእን ናብ ካልኦት ሰባት ከመሓላልፉዎ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ተመሓላላፊ ሕማም ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም እናተላብዐ ስግኣት ክፈጥር ምስ ዝጅምር፡ ዓለም-ለኻዊ ለበዳ ተባሂሉ ይእወጀሉ እዩ። ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19 እውን በቲ ብቕልጡፍ እናስፋሕፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ተላባዕነቱ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ‘ዓለም-ለኻዊ ለበዳ’ ክብል ብ11 መጋቢት ብወግዒ ኣዊጁ። ካብቲ ኣብ ከተማ ዉሃን – ቻይና ዝተኸስተሉ ግዜ ንድሓር ናህሩ ብ13 ዕጽፊ ዛይዱ ምህላዉ ዝንገረሉ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ኣብ ኣፍሪቃ እውን እንተኾነ ከምተን ካልኦት ክፍላተ-ዓለም ዝርግሐኡ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ድሮ ኣብ 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ተዘርጊሑ ከም ዘሎን፡ ብጠቕላላ 130 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከም ዘለዉን እዋናዊ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት። ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ኣብ ግብጺ ከም ዝርከቡ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ በዚ ምኽንያት እታ ሃገር ሕልፊ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ለበዳ ተሃስያ ከም ዘላ ኣመልኪቱ። ዝተፈላለያ ሃገራት ነዚ ተላባዒ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተፈላለየ ፈተነታት ከካይዳ እንከለዋ፡ በቲ ቫይረስ ንዝተለኽፉ ዜጋታት ምውሻብ ከም ቀንዲ ሜላ መከላኸሊ እቲ ለበዳ ይጥቀማሉ ኣለዋ። ዛጊት መድሃኒት ይዅን ክታበት ዘይተረኽቦ ዘሎ ተላባዒ ቫይረስ ኮቪድ19፡ ካብ ሕሙማት ብዝወጽእ ትንፋስ (ምህንጣስ፡ ምስዓልን፡ …)፡ ብሰላምታ፡ ኮታስ ካብ ሓደ ሜትሮ ዘይርሕቕ ቅርበት ምስ ሕሙም፡ ነቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ከም ዝላባዕ ስለ ዝገብር፡ ብእኡ ዝተለኽፉ ሰባት ምውሻብ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ ኮይኑ ይርከብ። ከም በዓል ቻይና፡ ደቡብ ኮርያ፡ ኢራንን ኢጣልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብፍላይ ቅልጡፍ ምልባዕ ናይቲ ቫይረስ ይረኣየለን ብምህላዉ፡ ኤርትራ እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ዓለም ካብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ንዝመጹ ገያሾ ብቐጥታ ከምዝውሽባ ኣፍሊጠን ኣለዋ። ካልኦት ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት እውን ምስ’ዘን ሃገራት ዘካይዳኦ ዝነበራ በረራታት ከምዘቋረጸኦ ኣፍሊጠን ኣለዋ። ቁጠባ ዓለም፡ ኣብ’ዘን ቫይረስ ኮቪድ-19 ብናህሪ እናስፋሕፍሐ ዝኸደለን ሰለስተ ኣዋርሕ ብኣሉታ ተጸልዩ ይርከብ። ንኣብነት ቻይና፡ ካብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጀሚራ ሓንቲ ካብተን ንግዳዊ ኣቕሑ ብብዝሒ እናፍረያ ንወጻኢ ሰደድ ዝገብራ ቀዳሞት ሃገራት ኰይና’ኳ እንተጸንሐት፡ ሕጂ ግን ብሰንኪ ምዕጻው ትካላት፡ ፋብሪካታትን ኢንዱስትሪታትን፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ምቁራጽ ካብን ናብን ምድራዊ መጐዓዝያታትን በረራታትን፡ ቁጠባኣ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ክወርዶ ጀሚሩ ኣሎ። ድሮ 42 ሚእታዊት ቁጥባ ናይታ ሃገር በዚ ቫይረስ ተጸልዩ ኣሎ – ብመሰረት ክኢላታት ስነ-ቁጠባ’ታ ሃገር። ሓደ ካብ ቀንዲ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ እውን፡ ብሰንኪ ምዕጻው መጐዓዝያታት ተጠላብነቱ ስለ ዝነከየ፡ ኣብዚ እዋን ዋጋኡ ብ22 ሚእታዊት ጎዲሉ ከም ዘሎ ክኢላታት ይሕብሩ። በዚ ምኽንያት፡ ብሰደድ ነዳዲ ቀዳሞት ዝኾና ከም ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ቁጥዐ ክፈጥረለን ይርአ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ብደረጃ ዓለም ብዙሓት መገዲ-ኣየራት በረራታቶም ክስርዙ ብዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኣሽሓት ዝቑጸር በረራታት ተሰሪዞም ኣለዉ። ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ ልዕሊ 1000 ብምዕራጉ፡ ካብ ኤውሮጳ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ን30 መዓልታት ክእገዱ ወሲኑ ኣሎ። እቲ ውሳነ ካብ ሎሚ ቀዳም ተግባራዊ ዝኸውን ኰይኑ፡ ክሳብ ዝመጽእ መፋርቕ ሚያዝያ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ወጻእተኛ ክህሉ ከምዘይኰነ እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ ኣፍሊጡ። ምስራዝ ናይዚ ኩሉ በረራታት እምበኣር፡ ብደረጃ ዓለም ናይልዕሊ 29 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከውርድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይእምቱ። ብዙሓት ሃገራት ነቲ ለበዳ ንምግታእ፡ ንኣብያተትምህርትን ዩኒቨርስቲታትን ክዓጽዋ እንከለዋ፡ ኣስታት 290 ሚልዮን ተመሃሮ ድማ ብኡ ምኽንያት ካብ ትምህርቶም ቦኺሮም ኣለዉ። ብሓፈሻ ክርአይ እንከሎ እምበኣር፡ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19 ብደረጃ ዓለም ካብ 77 ክሳብ 347 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ክሳራታት ከስዕብ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ኣመታት ዝህቡሉ ዘለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ19 ዝውዕል 15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከወፊ እንከሎ፣ ቻይና 16 ቢልዮን ዶላር፡ ብሪጣንያ 30 ቢልዮን ፓወንድ፡ ጀርመን ሓደ ቢልዮን ዩሮ፡ ኢጣልያ 7. ቢልዮን ዩሮ፡ ሕብረት ኤውሮጳ 25 ቢልዮን ዩሮ፡ ባንክ ዓለም ግሩፕ ድማ 12 ቢልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑ ኣሎ። በቲ ቫይረስ ተለኺፋ ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጋቦን እውን፡ ኣብ ምክልኻል እቲ ለብዒ ዝውዕል ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከም ዝሰልዐት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። መድሃኒት ይዅን ክታበት ኮሮናቫይረስ ዛጊት ከምዘይተረኽበ ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክኢላታት ጥዕና ዓለምና ኣብ ምንዳይ እቲ መድሃኒት ተጸሚዶም እኳ እንተ ሃለዉ፡ እቲ ዝርከብ መድሃኒት ወይ ክታበት ክሳብ ፈተነ ተገይሩሉ ዕዉት ውጽኢት ዝርከቦ ግዜ ክበልዕ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብደረጃ ዓለም ኣስታት 134,800 ክበጽሕ እንከሎ፡ ቁጽሪ ምዉታት ድማ ናብ ኣስታት 5 ሽሕ ዓሪጉ ኣሎ – ብመሰረት ጸብጻባት ዜና።
5