Coronavirus

Coronavirus | ኮሮና ቫይረስን ዓለማዊ ስግኣታቱን

Coronavirus | ኮሮና ቫይረስን ዓለማዊ ስግኣታቱን

ሰመረ ገብረመድህን
ብኮሮና ቫይረስ ዝፍለጥ ሓድሽ
ዓይነት ቫይረስ (2019 n-COV)፡ ካብ
ቻይና ተበጊሱ ናብ ብዙሓት ሃገራት
ዓለም ተዘርጊሑ ይርከብ። ክሳብ ትማሊ
ንግሆ ጥራይ በቲ ሓድሽ ቫይረስ
ተለኺፎም ናይ ዝሞቱ ግዳያት ቁጽሪ
213 ከም ዝበጽሐ፡ ዝበዝሑ ግዳያት
ካብ ከተማ ውሃን ከባቢታት ዞባ ሁበይን
ምዃኖም መንግስታዊ ማዕከን ዜና ቻይና
ትሕብር። እቲ ቫይረስ፡ ንኣስታት 9,692
ሰባት ብምልካፍ ናብ 31 ዞባታት ቻይና
ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ድማ ወሲኻ
ትጠቅስ። ኮሮና ቫይረስ ገና እናስፋሕፍሐ
ይኸይድ ብምህላዉ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ
ናይ ዝልከፉን ተለኺፎም ዝሞቱን
ዜጋታት መዓልታዊ ይዓቢ ከም ዘሎ’ዩ
ዝግለጽ።
1960፡ ኮሮና ቫይረስ ንመጀመርታ
ግዜ ኣብ ሰባት ዝተለለየሉ ዓመት’ዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት፡ እቲ ቫይረስ
ኣብ ኣናጹ፡ ኣኻልብ፡ ደማሙ፡ ታኪን፡
ኣፍራስ፡ ሓሰማታት፡ መንካዓትን ከብትን
ክርአ ከም ዝጸንሐ’ዮም ተመራመርቲ
ዝገልጹ። ክሳብ ሕጂ ተለልዮም ዘለዉ
ንሰባት ዘጥቅዑ ኮሮና ቫይረስ 6 ዓይነት
ኮይኖም፡ ሓደ ካብዚኦም – እዚ ሕጂ
ካብ ቻይና ተበጊሱ ዘሎ ቫይረስ 2019
n-COV ኢዩ። እቲ ቫይረስ፡ ንስርዓተምስትንፋስ ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ባህርያቱ
ንሕማማት ኒሞንያን ሳርስን ይመሳሰል።
Coronavirus
ከምኡ’ውን ንሰዓል ዝመሳሰል ማለት፡
ጸረርታ ኣፍንጫ፡ ሕማም ርእስን
ምስዓልን የስዕብ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን
ብርቱዕ ረስኒን ረኽሲ ሳናቡእን የኸትል።
ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ምስ ተለኽፈ፡ ካብ
2 ክሳብ 10 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ
ምልክታት ከርኢ ይኽእል። እቲ ቫይረስ
ካብ ምንታይ ከም ዝመንጨወ ብወግዒ
ዝተገልጸ’ኳ እንተዘየለ፡ ካብ ዝተበከለ
ስጋ እንስሳ ዘገዳምን ፍርያት ባሕሪ
ዝዀኑ መግብታትን ተበጊሱ ክኸውን
ከም ዝኽእል ግን፡ ኣብቲ ቫይረስ
መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት
ይገልጹ። ኣብቲ ፈለማ፡ እቲ ሕማም ካብ
እንስሳታት ናብ ሰብ ከም ዝመሓላለፍ’ዩ
ዝፍለጥ ነይሩ፡ ኣብዚ እዋን ግና፡ እቲ
ቫይረስ ብምትንኻፍን ብእስትንፋስን
ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝመሓላለፍ
ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ቻይና፡ ከም ናይ
ተመንን መንካዕን ዝኣመሰሉ ናይ በረኻ
እንስሳታት ምምጋብ ዝውቱር ኢዩ።
ስለዚ’ዩ ከኣ መበገሲ ኮሮና ቫይረስ ኣብ
ከተማ ውሃን ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ስጋ ከም
ዝጀመረ ዝግለጽ ዘሎ።
ኮሮና ቫይረስ፡ ፈለማ ኣብታ 11
ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ውሃን ከም ዝተራእየ፡ ቀጺሉ ድማ ናብ ካልኦት
ከተማታት ቻይና ከም ዝተዘርግሐ
ይግለጽ። እቲ ቫይረስ፡ ንፈለማ ግዜ
ኣብ ወርሒ ሕዳር ከም ዝተቐልቀለ
ብክኢላታት ይሕበር’ኳ እንተነበረ፡
መንግስቲ ቻይና ግን፡ ክሳብ መወዳእታ
ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝዀነ መግለጺ
ከይሃበሉ’ዩ ጸኒሑ። እቲ ቫይረስ ብናህሪ
ከስፋሕፍሕ ምስ ጀመረ ግን እታ ሃገር
ኣብ ከቢድ ስግኣት ስለ ዝተሸመመት፡
እቲ መንግስቲ መግለጺ ክህበሉ ተገዲዱ።
መንግስቲ ቻይና፡ ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር
ኣብዚ እዋን ዝተፈላለየ ስጉምታት ኣብ
ምውሳድ ይርከብ። ሓደ ካብኡ፡ ኣማኢት
ሚልዮናት ህዝቢ ካብን ናብን ንኽጐዓዓዙ
ምኽንያት ዝኸውን ዝጽምበል ሓድሽ
ዓመት ቻይና፡ ዝጽምበለሉ ዕለት ናብ
ካልእ እዋን ኣሰጋጊሩዎ ኣሎ። ካብን
ናብን ከተማታት ብመካይን፡ ብባቡራትን
መራኽብን ዝግበር ጉዕዞታት፡ ብፍላይ
ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ንግዚኡ
ደው ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ
ትምህርቲ’ውን ንግዚኡ ተዓጽየን
ክጸንሓ ኣዚዙ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ በቲ
ቫይረስ ዝተለኽፉ ግዳያት ዝውሸቡሉን
ዝሕከሙሉን ሆስፒታል ኣብ ውሽጢ
ክልተ መዓልቲ ወዲኡ ንስራሕ ድሉው
ብምግባሩ፡ ብብዙሓት ወገናት ናእዳ
ረኺቡ ይርከብ። ፈደረሽን ኩዕሶ-እግሪ
ቻይና እውን ኣብታ ሃገር ክካየድ
ተመዲቡ ዝነበረ ኵሉ ዘቤታዊ ጸወታ
ኩዕሶ-እግሪ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ከም
ዘሰጋገሮ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ኮሚሽን
ጸረ-ብልሽውና ቻይና፡ ኣብ ምቅላስ
ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ሸለልትነት ንዘርኣዩ
ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ክቐጽዕ ምዃኑ
ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እቲ ቫይረስ ክሳብ ትማሊ ዓርቢ ናብ
ኣስታት 18 ሃገራት ዓለም ብምስፍሕፋሕ፡
ናብ ኩሉን ክፍለ-ዓለማት ከም ዝኣተወ
ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ዛጊት በቲ
ካብ ቻይና ዝተበገሰ ሕማም ተለኺፈን
ዘለዋ ሃገራት ዓለም – ኣመሪካ፡ ካናዳ፡
ፈረንሳ፡ ታይላንድ፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡
ቬትናም፡ ሲንጋፖር፡ ማለዥያ፡ ኔፓል፡
ህንዲ፡ ፍሊፕንስ፡ ሕቡራት ኢማራት
ዓረብን ካልኦትን ኢየን። ገለ ሃገራት
ኣፍሪቃ፡ ካብ ቻይና ንዝተመልሱ
ዜጋታተን ወሺበን እኳ እንተሃለዋ፡ ክሳብ
ሕጂ ግን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ
ከም ዘይረኸባ’ዩ ዝሕበር ዘሎ። ክሳብ
ትማሊ ንግሆ ዝተዘርግሑ ሓበሬታታት
ከም ዘመልክትዎ፡ ካብ ቻይና ወጻኢ
118 ዜጋታት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም
ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ናብ
ቻይና ዝገብርኦ ዝነበራ ጉዕዞታት
ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ብምስራዝ፡ ኣብ ኣፍደገታት መዓርፎ-ነፈርተን መመርመሪ
መሳርሒታት ተኺለን መርመራታት
የካይዳ ኣለዋ። ካብዚ ሓሊፈን’ውን
ካልእ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ይርከባ።
ንኣብነት ሩስያ፡ መልከፍቲ ናይቲ ቫይረስ
ንምክልኻል ምስ ቻይና ንዘራኽባ 4,300
ኪ.ሜተር ዝዝርጋሕ ዶባታ ዓጽያቶ
ኣላ። ቀጥታዊ በረራ ካብን ናብን ሞስኮ
– በይጂንን ግን ክቕጽል ምዃኑ ሓቢራ
ኣላ። ኣመሪካ ድማ ኣብ ከተማ ውሃን
ንዝርከቡ ዜጋታታ ካብ 3 ለካቲት 2020
ከተውጽኦም ክትጅምር ምዃናን ንግዝያዊ
መወሸቢ ዝኸውን ቦታ ኣብ መዓስከር
ሓይሊ ኣየር ካሊፎርንያ ከምዘዳለወትን
ገሊጻ ኣላ። ኣውስትራልያ እውን ኮሮና
ቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ምኽንያት፡
ካብ ቻይና ንዝምለሱዋ ገያሾ ኣብ ደሴት
ክሪስትማስ ንክልተ ሰሙን ክትውሽቦም
ምዃና ገሊጻ። ጀርመን ድማ፡ ዜጋታታ
ናብ ዞባ ሁበይ – ቻይና ዘካይድዎ ጉዕዞ
ናብ ካልእ እዋን ከሰጋግርዎ ኣተሓሳሲባ
ኣላ። ኢጣልያ እውን እንተዀነት፡ 2
ዜጋታታ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ
ድሕሪ ምርግጋጻ፡ ናብ ቻይና ዝግበር
በረራ ነፈርቲ ንዘይተወሰን እዋን ደው
ኣቢላቶ ኣላ። ሞሮኮ ከኣ፡ ኣብ ሰሙን
ሰለስተ ግዜ ናብ ቻይና ትገብሮ ዝነበረት
በረራ ነፈርቲ ብምኽንያት ምልባዕ ኮሮና
ቫይረስ ንግዚኡ ደው ኣቢላቶ ኣላ። በዓል
መዚ ሲቪል ኣብየሽን ግብጺ እውን፡ ካብ
1 ለካቲት 2020 ጀሚሩ ካብን ናብን
ግብጺ – ቻይና ንዝግበር ዝነበረ ናይ
ነፈርቲ በረራ ንዘይተወሰነ እዋን ከም
ዘቋርጾ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብዘይካ ግብጺ፡
ናይጀርያ እውን ዜጋታታ ንኣስታት
ክልተ ሰሙን ናብ ቻይና ከይገሹ ኣጊዳ
ኣላ። ካብ ቻይና ንዝመጹ ዜጋታታ ከኣ
ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ክትውሽቦም
ምዃና ገሊጻ። ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ
ኮንጎን ብወገና ዜጋታታ ንዘይተወሰነ
እዋን ናብ ቻይና ከይገሹ ከልኪላቶም
ትርከብ። እታ ሃገር፡ ኣብ ጽላት ማዕድን
ቀንዲ መሻርኽቲ ቻይና ኢያ።
ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ሕማማት ቫይረስ
ከም ዝተራእዩ ይፍለጥ። ሳርስ 2002፡
ኢንፊልወንዛ ሓሰማ 2009፡ ኢንፊልወንዛ
ስጳኛ 1918 ወይ H1N1 ቫይረስ፡
መርስ 2012፡ ኢቦላ ኣፍሪቃ 2014ን ዚካ
ቫይረስ 2015ን ገለ ካብኣቶም እዮም።
ምልባዕ ናይዞም ሕማም ከኣ ንብዙሓት
ዜጋታት ዓለም ክቐትሉ ክኢሎም
ነይሮም። ንኣብነት፡ ኣብ 2002፡ ኣብ
ደቡባዊ ቻይና ተራእዩ ዝነበረ ሳርስ፡
ናብ 27 ሃገራት ዓለም ተላቢዑ ነይሩ።
ከም ሳዕቤኑ፡ 8000 ሰባት በቲ ቫይረስ
ክልከፉ ከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 700
ሰባት ድማ ግደ ሞት ኰይኖም። ኣብዚ
ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ ኣመልኪቶም
መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት፡ 96
ሚእታዊት ናይቲ ቫይረስ ኣብ መንካዕ
ከም ዝርከብ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ከኣ
ሳርስን ኮሮና ቫይረስን መበገሲኦም ካብ
መንካዕ ብምዃኑ፡ ሓደ ካብ ዘመሳስሎም
ባህርያት እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮሮና ቫይረስ
ብቕልጡፍ የስፋሕፍሕ ብምህላዉ
ኣህጉራዊ ኣስጋእነት ከምዘለዎ ድሕሪ
ምግላጽ፡ ብሓሙስ 2020 ብዛዕባ’ቲ
ቫይረስ ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ
ጸዊዑ። ኩለን መንግስታት ዓለም ከምቲ
ሳርስ ንምቁጽጻር ዘርኣይኦ መኸተ፡
ኣብ ምቁጽጻር ኮሮና ቫይረስ እውን
ዕቱብ ስጕምቲ ክወስዳ ኣተሓሳሲቡ።
ኣስጋእነት ኮሮና ቫይረስ እናሓየለ
ብምምጽኡ፡ ትማሊ ዓርቢ ዓለማዊ
ውድብ ጥዕና ህጹጽ ናይ ሓደጋ ድንጋገ
ከም ዝኣወጀ’ዩ ዝግለጽ።
ኮሮና ቫይረስ፡ ንቁጠባ ዓለምና
ብሓፈሻ፡ ንጽላት ቱሪዝም ድማ ብፍላይ
ብኣሉታ ጸልዩዎ ይርከብ። ኣብ ቻይና፡
ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ኣብ ጽላታት ቱሪዝም፡
መጐዓዝያ፡ ንግዲ፡ ትምህርቲ፡ ኣብያተመግብን መዘናጊዕታትን ከቢድ ቁጠባዊ
ክሳራ ወሪዱ ኣሎ። ብፍላይ ቻይና፡ ኣብ
ጽላት ቱሪዝም ካብ መስሕብ በጻሕቲ
ዝዀኑ ቦታታትን ጽምብል ሓድሽ
ዓመትን ክትረኽቦ ዝግብኣ ዝነበረ
ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ከሲራቶ ኣላ።
ኣብታ ሃገር ማለን ኣውፊረን ዝርከባ ከም
ጉግል ዝኣመሰላ ኩባንያታት ንጥፈታተን
ኣደስኪለን ስለዘለዋ፡ ቁጠባ ቻይና
ዝሕታለ ከርኢ ጀሚሩ ኣሎ። ዓበይቲ ናብ ደቡባዊ ኤስያ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን
ኣፍሪቃን ተዘርጊሑ ብምህላዉ፡ ዕዳጋታት
ቁጠባ ዓለም’ውን ዝሕታለ ከም ዘርኣየ
ይሕበር ኣሎ። ብፍላይ እተን ምስ ቻይና
ቀጥታዊ ንግዳዊ ሽርክነት ዘለወን ሃገራት፡
ዕዳጋታተን ብኣሉታ ተጸልዩ ከም ዘሎ
ይግለጽ። ክብሪ ዋጋ ባጤራታት ቻይና፡
ኣውስትራልያ፡ ኒውዝላንድን ደቡብ
ኮርያን ምንቁልቋል ከም ዘርኣየ’ውን
ይሕበር ኣሎ። እቲ ቫይረስ ቅልጡፍ
መግትኢ እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ዕዳጋታት
ብርኪ ዓለም ከቢድ ሃስያ ክወርዶ
ከም ዝኽእል ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ
የጠንቅቑ ኣለዉ።
ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ ካበይ ከም
ዝተበገሰ ብንጹር ዘይፍለጥ ንስርዓተ
ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ሓደገኛ ታህዋስ
ኢዩ። ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ዘኽእል
ፍሉጥ ዝዀነ መድሃኒትን ክታበትን
ብዘይምህላዉ፡ ቀሊል ሳዕቤን ከም ዘይህልዎ
ኣብቲ ቫይረስ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ
ክኢላታት የጠንቅቑ። ዋላ’ኳ ክታበት
ኮሮና ቫይረስ ንምምዕባል ኣንፈታት
የርኢ እንተሎ፡ እቲ ቀንዲ ፍወሳ ኮሮና
ቫይረስ ግን፡ ሃገራት ዓለም ኣብ ውሽጠን
ንኸየስፋሕፍሕ ምክልኻል ምዃኑ እቶም
ክኢላታት ወሲኾም ይገልጹ።