Chlamydomonas

Chlamydomonas a unicellular Green Algae

Chlamydomonas a unicellular Green Algae

ካብ ስዊዘርላንድን ቤት ትምህርቲ
ጥዕና ሃርቫርድን ዝተዋጽኡ
ተመራመርቲ፡ ፕሮቲን ናይ’ቲ ብሓደ
ዋህዮ ዝቖመ ‘Chlamydomonas’
ዝበሃል ቀጠልያ ሰበባ ተጠቒሞም፡
ዓይነን ዓዊረን ዝነበራ ኣናጹ ብርሃን
ክርእያ ከምዘብቅዕወን ተገሊጹ።
‘Chlamydomonas’፡ 10 ማይክሮ
ሜትር ሰንጣቒት ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ
ሓመድን ጽሩይ ማይን ይርከብ። ካብ
ኩሎም ዓይነታት ሰበባ ዝተመርጹሉ
ምኽንያት፡ ናብ ብርሃን ዘለዎ ሸነኽ፡
ብርሃን ንምርካብ ናይ ምጥውዋይ
ባህሪ ስለዘለዎ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ፈተነ
ክሳብ ክንደይ ኣብተን ኣናጹ ኣድማዕነት
ኣለዎ ንምፍላጥ፡ ክልተ ጉጅለ ኣናጹ፡
ማለት ዝርእያን ዘይርእያን ኣብ
ጋብያ ብሓንሳብ’ዮም ኣእትዮመን።
መጀመርታ ቅድሚ እቲ ኣገባብ
ኣፈዋውሳ ምጥቃሞም፡ ነተን ኣናጹ
ደሚቕ ብርሃን ኣብ ዝወልዑለን፡
እተን ዝርእያ ክንቀሳቐሳ ከለዋ እተን
ዘይርእያ ግን ኣይተንቀሳቐሳን።
ኣብቲ ካልኣይ ፈተነ፡ ነተን ዘይርእያ
ኣናጹ በዚ ዓይነት ሰበባ ፈተነ ኣብ
ዘካየዱለን፣ እተን ቅድሚ ሕጂ
ዘይርእያ ዝነበራ ኣናጹ ልክዕ ከምተን
ዝርእያ ዝነበራ ብርሃንን ጸልማትን
ከለልያ ከምዝኽኣላ’ዮም ዘረድኡ።
እቲ ሳልሳይ ፈተነ ድማ ቅርጽታት
ከለልያ ዝኽእላ ድየን ኣይኮናን
ንምፍላጥ’ዩ ተኻዪዱ። እቶም
ተመራመርቲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ
ኸኣ፡ ዋላ’ኳ ልክዕ ከምተን ቅድሚ
ሕጂ ዝርእያ ዝነበራ ኣናጹ ቅርጽታት
ብግቡእ ክፈላልያ ኣይኽኣላ፡
“ብዓቕመንሲ ቅርጽታት ከላልያ
ክኢለን’የን” ክብሉ ውጽኢት ናይ’ቲ
ዘካይድዎ ፈተነ ዕዉትን ተስፋ ዝህብን
ምዃኑ ሓቢሮም።
እዚ ቅድሚ ሕጂ ክዉን ዘይመስል
ዝነበረ ግን ክዉን ዝገብር፡ ንዓይነ
ስዉራን ተስፋ ዝህብ ምርምር
ኣብ ሰባት ኣድማዒ ንክኸውን ግዜ
ከምዘድሊ ዶ/ር ሮስካ ዝተባህለ
መራሒ ናይ’ታ መጽናዕቲ ዘካየደት
ጕጅለ ሓቢሩ። ንሱ፡ “እዚ ምርምር
ብብርቱዕ ዓቐን ብርሃን ጥራይ’ዩ
ተፈቲኑ ዘሎ። ብሕጂ ግን ዑረት
ንምፍዋስ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎ
ብርሃን ተጠቒሞም ምርምራቶም
ከካይዱ ምዃኖም ኣረዲኡ። እዚ
ግን፡ ተስፋ ዘለዎ’ኳ እንተዀነ፡ ግዜን
ዓቕምን ዝሓትት ምዃኑ ዶ/ር ሮስካ
ኣዘኻኺሩ።