ዝተኻሕደ ህልውና ‘ጊላነት’ ኣብ ማውሪታንያ
ካብ ኣፍሪቃ ናብ ምዕራብ ዓለም ዝካየድ ዝነበረ ንግዲ ጊላነት፡ ኣብ ኣጋ ምእታው 19 ክፍለ-ዘመን እናተኸልከለ ከም ዝመጸን፡ ናብ ሕርሻታት ኣመሪካ ብመሸጣ ተወሲዶም ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያን ንብረት ሰብ ካብ ምዃን ናጻ ክወጹ ከም እተገብረን፡ ኣብ ታሪኽ ኣንቢብና ኣሎና። እቲ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝተኣወጀ ንግዙኣት ገላዩ ናጻ ዝገብር ኣዋጅ፡ ኣብ ኣመሪካታትን ደሴታት ካሪብያንን ጥራይ ስለዝተወሰነ ግን፡ መሸጣን ዕድግን …