ሃንደበታዊ ክሊማዊ ለውጢ ሻቕሎት ይፈጥር
ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ሃንደበታዊ ክሊማዊ ለውጢ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ዝለዓለ ከምዝኸውን ክኢላታት ኣፍሊጦም። እቲ ዝኽሰት ለውጢ፡ ኣብ ዝመጽእ ውሑዳት ዓመታት ወይ ዕቑዳት ድኣ’ምበር፡ ኣብ ክፍለ ዘመናት ከምዘይከውን ድማ፡ እቶም ክኢላታት ወሲኾም ሓቢሮም። በዚ መንጽር፡ ሕብረተሰባትን ኢኮሲስተምን ነቲ ለውጢ ንኽወሃሃድዎ ዘለዎም ግዜ ውሑድ ብምዃኑ፡ ጽልዋ ናይቲ ሃንደበታዊክሊማዊ ለውጢ ቀሊል ከምዘይከውን ኣጠንቂቖም። ሳዕቤን ናይቲ ብሃንደበት ክኽሰት ከምዝኽእል …