ክዳነይ ዘድንቐለይ እናሰኣንኩ
ጓል 20 ዓመት ጎርዞ እየ። ኣብ ዓይነት ክዳውንቲ ይኹን ኣከዳድናይ ኣመና ግድስቲ እየ። ብሕልፊ ድማ ፋሽን ምኽዳን ስለ ዝፈቱ ዝመጸ ፋሽን ክሓልፈኒ ኣይደልን። ኣምላኽ ይመስገን ዝሰኣንኩዎ ስለ ዘይብለይ ባህ ዝበለኒ ክዳን ንኽገዝእ ኣይተሸገርኩን። እንተ ዀነ ግን ከጸብቐለይ ኢለ ተመንየ ዝገዛእኩዎ ክዳን፡ መሓዙተይ ይኹና ስድራ ቤተይ ‘ኣየጸብቐልክን እዩ’ እናበሉ ከም ዝጠዓስ ይገብሩኒ። ሕሉፍ ሓሊፎም ‘ጽልልቲ መሲልኪ፡ …