Cambridge

Cambridge receives £100 million donation

Cambridge receives £100 million donation

ብ ሃኖቨር (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ዳርትማውዝ ኮሌጅ ዝተባህለ ቤት ትምህርቲ ካብ ሓደ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ገባር ሰናይ 100 ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ከምዝረኸበ ገሊጹ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብዘይካ’ዚ፡ ብናቱ ጎስጓሳት ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክእክብ እንተኽኢሉ፡ ሓደ ካልእ ገባር ሰናይ 100 ሚልዮን ዶላር ክህቦ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ስለዚ፡ እቲ ኮሌጅ ነዚ ድሮ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ ካብ 30 ክሳብ 40 ዝበጽሑ ፕሮፈሰራት ንምቑጻርን ንመጎሳጎሲ ካልእ ወፈያታትን ክጥቀመሉ ምዃኑ ኣረዲኡ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ፡ ኣብ 244 ዓመታት ታሪኽ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዛጊት እቲ ዝዓበየ ምዃኑን፡ ካብ ሓደ ውልቀሰብ ክንድኡ ዝኣክል ወፈያ ክርከብ ናይ ብሓቂ “ሕልሚ ድዩ ጋህዲ” ከምዘብልን መርበብ ሓበሬታ ዩ. ንስታፋት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ብምጥቃስ ኣስፊሩ ኣሎ። “ኣብ ዓለም ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ርእሰ-ማል ዘለዎም ሰባት ውሑዳት ክንሶም፡ ካብ ሓደ ሰብ 100 ሚልዮን ዶላር ክርከብ ካልእ ናይ ጎድኒ ሕቶታት ከስዕብ ዝኽእል እዩ” ይብል ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኮሌጅ ዝምህሩ ፕሮፌሰራት።ፒ. ኣይ.