Buffalo wing

Buffalo wing champion Joey Chestnut devours record

Buffalo wing champion Joey Chestnut devours record

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ
ዓመታዊ ናይ ምብላዕ መንፈርፈር
ፌስቲቫል፡ ጆይ ቸስትናት ዝተባህለ
ሰብኣይ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ደቓይቕ 191
መንፈርፈር ደርሆ ብምብላዕ ክብረወሰን ከምዝሓዘ ታይኢንድያን ዝተባህለ
መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣቐዲማ 183 መንፈርፈር ብምብላዕ
ነቲ ክብረ-ወሰን ንሓሙሽተ ዓመታት
ብሒታቶ ዝጸንሐት ሶንያ ቶማስ፡ ኣብዚ
ውድድር’ዚ 170 መንፈርፈር ብምባላዕ ካልኣይቲ ወጺኣ ኣላ።
ሶንያ ቶማስ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ዝለዓለት
በላዒት ተባሂላ ክትግለጽ ብምጽናሓ፡
ኣብቲ ውድድር ዳርጋ ኩሉ ተዓዛባይ
ኣብ ጎድና ምንባሩ እቲ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
ብሰንኪ እቲ ኣዕጽምቲ፡ መንፈርፈር
ምብላዕ ብዙሕ ከምዘይፈቱ ዝንገረሉ
ጆይ ቸስትናት፡ ኣብዚ ውድድር’ዚ
ቀዳማይ ምውጽኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ
ንዓመታት ተባሒቱ ዝጸንሐ ክብረ-ወሰን
ብገፊሕ ክሰብሮ ምኽኣሉ፡ መስደመም
ዜና ናይዚ ሰሙን’ዚ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።