Belgian

Belgian who says she is king’s daughter asks him to testify

Belgian who says she is king’s daughter asks him to testify

ሓንቲ ዘይተነግረላ ጓል ንጉስ ኣልበርት
2ይ ምዃና ዝገለጸት ቤልጁማዊት፡ ነቲ
ንጉስን ንኽልተ ደቁን ኣብ ቤት ፍርዲ
ከተማ ብራስለስ ከሲሳቶም ከምዘላ
ሮይተርስ ሓቢሩ።
ጓል 45 ዓመት ስነ-ጥበበኛ ደልፊን
ቦል ብተደጋጋሚ ጓል’ቲ ንጉስ ምዃና
ክትገልጽ ምጽንሓን ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ስነጥበባዊ ስርሓታ ከተንጸባርቖ ምጽንሓን
እቲ ምንጪ ገሊጹ።
እቶም ናይ መጀመርታ ጸብጻባት
ብዛዕባ’ቲ ኣርእስቲ ኣብ 1990ታት
ኣብ ማዕከናት ዜና ቤልጁም ክቃልሑ
እኳ እንተጀመሩ፡ ብዛዕባኡ እቲ ንጉስ
ዝሃቦ ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ መግለጺ
ኣይጸንሐን።
ጠበቓ’ታ ስነ-ጥበበኛ፡ እታ ሰበይቲ
ነቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ጀሚራቶ ከምዘላ
ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዝሃቦ ዝርዝራዊ
ሓበሬታ የለን። እቲ ንግስነት እውን፡
ንጉስ ኣልበርት ካልኣይ፡ ልዑል
ፊልፕን ልዕልቲ ኣስትሪድን ሕጋዊ
ክሲ ተቐቢሎም
ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ
ኣሎ። እቲ ሳልሳይ
ወዲ ንጉስ ግን
ኣይተኸሰሰን ዘሎ።
ብመሰረት ሕጊ
ቤልጁም፡ ንጉስ
ኣይክሰስን እዩ።
በዚ ከኣ ከሳሲት
ኣቕሪባቶ ዘላ
ሕጋዊ ክርክር
ድሩት ናይ ምዕዋት
ተኽእሎ ከምዘለዎ
እዮም ናይ ሕጊ
ክኢላታት ዝገልጹ።
ይ ኹ ን ’ ም በ ር ፡
ደቁ ብሕጋዊ
መ ር መ ራ ን
ክርክርን ምስ ሓለፉ ሓቅነት ናይቲ
ጉዳይ ክረጋገጽ ከምዝኽእል ሮይተርስ
ንኽኢላታት ብምጥቃስ ኣረዲኡ።