Barack Obama

Barack Obama ሰባት ኣብ ምቕታል ንፉዕ’የ” ባራክ ኦባማ

Barack Obama ሰባት ኣብ ምቕታል ንፉዕ’የ” ባራክ ኦባማ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ብጉዳይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ’ታ ሃገር ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ኣማኸርቱ ኣብ ዝዘራረበሉ ዝነበረ እዋን፡ “ሰባት ኣብ ምቕታል ንፉዕ’የ” ብምባል በቲ ሃገሩ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እናተጠቕመት ኣብ ፓኪስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራትን እተካይዶ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ቅጭጭ ከምዘይብሎ ዘረጋግጽ ዘረባ ወስ ምባሉ ተሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይትሃውስ ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ነቲ መስደመም ዘረባ ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ’ዩ ተዛሪብዎ። ጋዜጠኛታት ማርክ ሃልፐሪንን ጆን ሄልማንን ነዚ ዘረባን ካልእ ብባራክ ኦባማ ዝተፈጸመ ጉድለትን ብዝምልከት “ዳብል ዳውን፡ ገይም ቸንጀር” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ብምሕታም ነቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ ይርከቡ። ቤተ መንግስቲ ዋይቲ ሃውስ “ሰባት ኣብ ምቕታል ንፉዕ’የ” ባራክ ኦባማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መጽሓፍ ዝሰፈረ ሓበሬታ ኣመልኪቱ መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ። ኣብታ መጽሓፍ፡ ባራክ ኦባማ ንምክትል ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሂላሪ ክሊንተን ንምቕያር ውጥን ከምዝነበሮን ከይተግበሮ ከምዝተረፈን ይጥቀስ። ኣብ 2009 ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተቐበለ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ፓኪስታን፡ ኣፍጋኒስታንን የመንን ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሰፊሑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ደብዳብ ሰለማውያን ሰባት ይኾኑ ምህላዎም ይፍለጥ።