future

Back to tech’s future: Nicholas Negroponte

Back to tech’s future: Nicholas Negroponte

ሓያለ ካብዞም ሎሚ ህያው ኮይኖም
ንርእዮም ዘለና ኣደነቕቲ ቴክኖሎጂታት
ዓለምና ኣቐዲሙ ብዓይነ-ሕልናኡ
ስኢሉ ከምዝተነበዮም ዝንገረሉ ኒኮላስ
ኔግሮፖንተ ዝተባህለ ውሩይ ግሪኻዊ
– ኣመሪካዊ ሊቕ፡ ሰባት ኣብ ዉሽጢ
ሓጺር ግዜ ዝደለይዎ ዓይነት ቋንቋ
ክመልኩ ዘኽእሎም ሓድሽ ዝዋሓጥ
ከኒና ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝቕጽል 30
ዓመታት ክምዕብል ምዃኑ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ሚረር፡
መስራቲ ‘MIT Media Lab’ ናይ
ዝተባህለ ትካል ምርምር ዝኾነ ኔግሮፖንተ
ኣብቲ ‘ቴድ ቶክ’ ምስ ዝተባህለ ማዕከን
ሓበሬታ ዘካየዶ ዕላል፡ “ኣእምሮና
ብኽልተ መገዲታት ማለት ብምርኣይን
ብምስማዕን ጥራይ’ዩ ፍልጠት ከኻዕብት
ጸኒሑ። ብድሕሪ ሕጂ ግን ፍልጠት
እንተላይ ብኣፍና ክኣቱ ክጅምር’ዩ።
ዝተፈላለየ ሓበሬታ ዝተኸዘኖ ዝዋሓጥ
ከኒናታት ክመሃዝ’ዩ። ብርግጽ ድማ ኣብዘን
ዝስዕባ 30 ዓመታት ህያው ክኸዉን’ዩ።”ክብል ንተኸታተልቲ’ቲ መደብ ኣበሲሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሰባት ነቲ ዝማሃዝ ከኒና ምስ
ወሓጥዎ እቲ ኣብኡ ተኸዚኑ ዝጸንሕ
ሓበሬታ ወይ ዳታ ብሰራዉር ደሞም
ኣቢሉ ናብ ሓንጎሎም ከምዝበጽሕ፡ እዚ
ከኣ ካብቲ ብምስማዕን ምርኣይን ኣቢሉ
ዝሓልፍ ሓበሬታ ንላዕሊ ዝበለጸ ፍልጠት
ንምኽዕባት ዘኽእል ምዃኑ ኣረዲኡ።“ንኣብነት ቋንቋ እንግሊዝ ክትምሃር
እንተደሊኻ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዳለወ
ከኒና ትዉሕጥ። ብዛዕባ ሸክስፒይር
ክትፈልጥ እንተመሪጽካ ድማ ካልእ ናይ
ሸክስፒይር ሓበሬታ ዘለዎ ዝተፈልየ ከኒና
ትውሕጥ።” ዝበለ ኒኮላስ ኔግሮፖንተ፡
እቲ ቴክኖሎጂ ህያው ምስ ኮነ ብፍላይ
ብሕጽረት ቛንቋታት ዝተሽገር ሰብ
ብቑጽሪ እናውሓደ ክኸይድ ምዃኑ
ኣሚቱ። ሊቕ ናይ ኮምፕዩተር ዝኾነ
ወዲ 71 ዓመት ኔግሮፖንተ፡ ነዚ ሎሚ
ንመልክዕ ዓለምና ፍጹም ለዊጡ ዘሎ ከም
ኢንተርነት፡ ተንቀሳቓሲ ቴለፎን፡ ኮምዩተር፡
ቴለቪዥንን ቪድዮን ዝኣመሰለ ገመድ
ኣልቦን ድጂታልን ዝኾነ ቴክኖሎጂ
ኣቐዲሙ ኣብ ኣእምሮኡ ብምቕራጽ፡
“ድሕሪ ሒደት ዓመታት ህያው
ክኾኑ’ዮም” ብምባል ተነብዩ ከምዝነበረ’ዩ
ዝንገረሉ። ትንቢታቱ በብሓደ ጋህዲ
እናኾነ ምስ መጸ ከኣ ህቡብነት ከጥሪ
ከምዝጀመረ ይዝንተወሉ።
ደራሲ ናይ’ታ ኣብ 1995 ዝተሓትመትን
ናብ ልዕሊ 40 ቋንቋታት ዝተተርጎመትን
‘Being Digital’ ዘርእስታ ህብብቲ
መጽሓፍ ዝኾነ ኔግሮፖንተ፡ ነፍሲወከፍ ተማሃራይ ናይ’ዛ ዓለም ላፕ ቶፕ
ኮምፕዩተር ንኽዉንን ዝሕግዝ ‘ሓንቲ
ላፕቶፕ ንሓደ ህጻን’ ዝሰመዮ ማሕበር
ምትሕግጋዝ’ውን ኣበጊሱ ይሰርሕ
ምህላዉ እቲ ዝተዘርግሐ ዜና ወሲኹ
የመልክት።