baby

baby survives after being buried alive for two hours

baby survives after being buried alive for two hours

ንኽልተ ሰዓታት ተደብያ ዝወዓለት
ናጽላ ብህይወት ከም ዝጸንሐት
ንምንጭታት ቻይና ብምውካስ ማዕከናት
ዜና ሓቢሮም። ሊያኦኒንንግ ኣብ ዝተባህለት
ናይ ቻይና ክፍለ ሃገር፡ ሉ ሺያኦዩን ዝስማ
ሰበይቲ ዝወለደታ ቈልዓ ቅድሚ መዓልታ
ብምምጸኣን ብኽያት ወይ ካልእ ናይ
ህይወት ምልክት ስለ ዘይነበራን ቁላዕ እያ
ኢላ ኣሚና ነይራ። ካብ ስራሕ ዝተመልሰ
በዓል ቤታ እውን ‘ጥንሲ ከይድዋ’ ብምባል
ንሓካይም ጸዊዑ ረድኤት ኣብ ምሃብ
ጥራይ እዩ ዝነጥፍ ነይሩ። እቶም ሓካይምብዛዕባ እታ ቈልዓ ምስ ሓተቱ “ህይወት
ዘይነበሮ ጥንሲ ስለ ዝዀነ ተቐቢሩ” ዝብል
ምላሽ ተዋሂብዎም።
እቶም ሓካይም ግና “ዘይምዉት
ክኸውን ይኽእል” ብምባል ከይረኣዩ
ከረጋግጹ ከም ዘይክእሉን ሞያኦም ዝሓቶ
ግዴታ ከም ዝዀነን ብምዝኽኻር፡ እታ
ቈልዓ ተፋሒራ ክትወጽእ ሓቢሮም።
ቈልዓ ኸኣ ምስ ትንፋሳ ጸኒሓ።
ብዝተገብረላ ረድኤት’ውን ትመሓየሽ
ከም ዘላ እቶም ምንጭታት የረድኡ።