Baby Gammy

Baby Gammy, born into Thai surrogacy scandal,

Baby Gammy, born into Thai surrogacy scandal,

ሓደጃፓናዊበዓል-ዋኒን፡በዓልቲ-ቤቱ
ብሰንኪ ናይ ማህጸን ጸገም ክትወልድ
ከምዘይትኽእል ምስ ኣረጋገጸ፡ ናታን
ናቱን ዘርኢ ሒዙ ናብ ታይላንድ
ድሕሪ ምምራሕ ማህጸን ተኻርዩ
ትሽዓተ ቆልዑ ክወልድ ከምዝኻኣለ
ሰብ-መዚ ታይላንድ ሓቢሮም።
እቶም ሰብ-መዚ ነዚ ዝገልጹ ዘለዉ፡
ታይላንድ ማእከል መጫጭሒ ቆልዑ
ሰብ-ወጻኢ እናኾነት ትኸይድ ኣላ
ብምባል ነቲ ተግባር ደው ንምባል
ግብራዊስጉምቲኣብዝወስድሉዘለዉ
እዋን’ዩ። ንሳቶም ‘ዘ ባንኮክ ፖስት’
ንዝተባህለት ጋዜጣ’ታ ሃገር ኣብ
ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ስሙ ክፈልጥዎ
ዘይካኣሉ ዘለዉ ጃፓናዊ ሰብኣይ
ንማህጸን ሓንቲ ታይላንዳዊት ሰበይቲ
ተኻርዩ9 ቆልዑድሕሪምዉላዱኣበይ
ከምዘሎ ዘመልክት ዝኾነ ዝፈልጥዎ
ሓበሬታ የብሎምን። ምናልባት ኣብ
ሃገሩ ከይህሉ ብምባል’ውን ፖሊስ
ጃፓን ኣብ ምልላዩ ክተሓባበሮም
ጻዉዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። እቲ
ሃብታም ምዃኑ ዝንገረሉ ሰብኣይ፡
ነቶም ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ዘፍረዮም ሰለስተ ኣዋልድ ዝርከብኦም
ትሽዓተ ቆልዑ ኣብ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ
ሓደ ህንጻ ድሕሪ ምዕቛብ፡ እናተኸናኸና
ዘዕኩዃሉ ሸውዓተ ደናግል ቆጺርሎም
ከምዝተሸርበ’ዩ ዝግለጽ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ‘ዘ ባንኮክ
ፖስት’፡ ጎረባብቲ ናይ’ቲ ህንጻ “ብኽያት
ናይ ሓያለ ህጻናት መዓልታዊ ንሰምዕ
ኣለና” ብምባል ንፖሊስ ድሕሪ
ምሕባሮም’ዩ እቲ ጉድ ክቃላዕ ዝኻኣለ።
ፖሊስ ታይላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ
ዝተሓበሮ ህንጻ ሃንደበት ብምእታዉ
ድማ ነተን ወርሓዊ 184 ፓወንድ
እናተኸፍላ ክሰርሓ ዝጸንሓ ደናግል
ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይወን። ማህጸና
እናካረየት ነቶም ቆልዑ ዝፈረየት
ኣደ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምእትኣቱ
ጌርዋ ኣሎ። ንሳ ድሒራ ኣብ ዝሃበቶ
ሓበሬታ፡ እቲ ጃፓናዊ ኣብ ሓደ እዋን
ሓደቆልዓጥራይእንተወሊዳትሉ 9,250
ዶላር ክኸፍላ፡ ማንታ ምስ እትወልደሉ
ድማ 12,400 ዶላር ክኽፈላ ጠለብ
ምስ ኣቕረበላ ክሳብ ትሽዓተ ቆልዑ
ክትወልደሉ ከምዝተሰማምዐት ኣረዲኣ።