Apple

Apple fined $1.2 billion by French competition authorities

Apple fined $1.2 billion by French competition authorities

ኣመሪካዊ ኩባንያ ኣፕል፡ ምስ ክልተ
ኣብ ፈረንሳ ብዝመደበረን ትካላት ብዘካየዶ
ዘይሕጋዊ ኣገባባት ዕድጊ – ተቖጻጻሪ ኣካል’ታ
ሃገር 1.1 ቢልዮን ዩሮ ክቕጻዕ ከም ዝወሰነ
ተሓቢሩ።
እቲ ብኣውቶሪቴ ደ ላ ኮንኩረንስ – ኣብ
ልዕሊ’ቲ ኩባንያ ተወሲኑ ዘሎ መቕጻዕቲ፡
በቲ ፈረንሳዊ ትካል ኣብ ልዕሊ ካልኦት
ባዕዳውያን ትካላት ዝተወስደ ተመሳሳሊ
ስጉምቲ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ ተመዝጊቡ
ኣሎ።
ተንተንቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ኩባንያ ኣፕል
እተን ብጃምላ ንብረት ዝሸጣ ትካላት ኣብ
መንጎአን ውድድር ከይህሉ ብምስምማዕ
ኣብ መንጎ’ቶም ካብኣቶም ገዚኦም ዝሸጡ
ሰብ ድኳን ምእንቲ ናይ መሸጣ ውድድር
ከይፍጠር ብኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ብኩባንያ
ኣፕል ዝፈረየ ንብረታት ዋጋኡ ከይነከየ
ንኽሽየጥ ዝተሓስበ እዩ።
እተን ምስ ኩባንያ ኣፕል ብምትሕብባር
ነቲ ሽርሒ ዘካየዳ ናይ ጃምላ ንብረት መሸጢ
ትካላት ቴክ ዳታ ከምኡ’ውን ኢንግራም
ማይክሮ ዝተባህላ ምዃነን እውን ተፈሊጡ
ኣሎ።ኣውቶሪቴ ደ ላ ኮንኩረንስ ኣብ ዝዘርግሖ
ጸብጻብ፡ ኩባንያ ኣፕል ንገለ ካብተን ብጃምላ
ንብረቱ ዝሸጣ ትካላት ልዕሊ ካልኦት
ሓለፋታት ይገብረለን ምንባሩ ይገልጽ።
ሓደስቲ ንብረታት ኣብ ዘውጽኣሉ እዋን
ከኣ ልዕሊ ካልኦት ብርክት ዝበለ ንብረት
ይቕርበለን ምንባሩ፡ እዚ ድማ እተን ካልኦት
ትካላት ናይ ጃምላ መሸጣ ነቲ ብዓማዊለን
ዝቐርበለን መጠን ክበጽሓኦ ከም ዘይክእላ
ብምግባር እዩ።
እተን ምስ ኩባንያ ኣፕል ክተሓባበራ
ዝጸንሓ ትካላት ብኣውቶሪቴ ደ ላ
ኮንኩረንስ፡ ናይ 76 ከምኡ እውን 63
ሚልዮን መቕጻዕቲታት ተወሲኑለን ምህላዉ
ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣመሪካውያን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ
ኣብ ኤውሮጳ ብዝኽተልኦ ኣካይዳታት
ብኤውሮጳዊ ሕብረት ብተደጋጋሚ ክኽሰሳ
ምጽንሐን ይፍለጥ።