Age Affects

Age Affects Your Relationships And Your Breakups

Age Affects Your Relationships And Your Breakups

ጓል 26 ዓመት ሰራሕተኛ መንግስቲ’የ።
ምስ መሳርሕተይ ክጸሮ ዘይክእል ፍቕሪ
ሒዙኒ። ክዛረቦ እደሊ’ሞ፡ ምስኡ ኣብ
ዝህልወሉ እዋን ክዛረብ ኣይክእልን።
ካብኡ ምስ ተፈለኹ ድማ፡ ዘይተዛረብኩዎ
ኢለ እጥዓስን እነብዕን። ናይ ፈለማን
ናይ መወዳእታን ክኹነኒ ዝምነዮ ወዲ
ተባዕታይ’ዩ። ኣብ ስራሕ ብዘለኒ ግድምናልዕሊኡ’የ። ብዕድመ’ውን ብሓሙሽተ
ዓመት እበልጾ’የ። ስለ’ዚ ከም ዘፍቅሮ
ንኽነግሮ ዕድመይ ይውስኖ ድዩ?
ስመይ ዓቅቡለይ ካብ ከረን
ንፍቕሪ ዕድመ ይኹን ካልእ
ኩነታት ከም ዘይውስኖ ኩልና ንፈልጥ
ኢና። ከም’ዚ ክበሃል ከሎ ግን፡ ናይ
ዘለኽዮ ሕብረተሰብን ናይ’ቲ ኣፍቂርኪዮ
ዘለኺ ወድን ርድኢት
ኣብ ግምት ከተእትዊ
ከም ዘለኪ ኣይትዘንግዒ።
ምስኡ ክትነብሪ ናትኪ
ድልየት’ዩ። ንሱ ምሳኺ
ከነብርከ ድልየት ክህልዎ
ይኽእልዶ? ፈለማ
ንሱ’ውን ናይ ገዛእ
ርእሱ ምርጫ ስለ ዘለዎ፡
ከፍቅረክን ከየፍቅረክን
ይኽእል’ዩ። ብተወሳኺ፡
እቲ ኣብ ሕብረተሰብና
ዘሎ (ወዲ ተባዕታይ
ካብኡ ምስ እትንእስ
ጓል ሄዋን ክጻመድ
ኣለዎ) ዝብል እምነት፡
ከምኡ’ውን ፈላጣት
ናይ’ዚ ዓውዲ ዘቕርብዎ
መረጋገጺ፡ ነቲ ተመኒኽዮ ዘለኺ ወዲ
ከም ዝጸልዎን፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ካብ
ከምኡ ዝበለ እምነት ነጻ ክኸውን ከም
ዝኽእልን ኣብ ግምት ኣእቲኺ፡ ፍርቃ
ፍርቂ ትጽቢት ከተሕድሪ ንመኽረኪ።
“ዝሓሰብኩዎ ክሰልጥ ኣለዎ፣ ወይ
ድልየተይ ክፍጸም ኣለዎ” ዝብል ትጽቢት
ሒዝኪ ከይትጸንሒ’ሞ፡ ምናልባት ሓሳብ
ልብኺ እንተ ዘይሰሚሩ፡ መንፈስኪ
ከይጉዳእ። ንኽልቲኡ መልስታት ካብ
ሕጂ ኣትሒዝኪ ተዳለዊ። ብወገንና ግን፡
ባዕልኺ እንተ ዘይሓተትክዮ ይምረጽ
ንብል። ከም እተፍቅርዮን እትደልይዮን
ዝሕብር ኣዘራርባ ወይ ኣቀራርባ ኣዘውትሪ።
ናይ ዕላል ዕድል ምእንቲ ክትረኽቢ፡ ኣብ
ብሕት ዝበለ ቦታ እናዓደምኪ፡ ሻሂ ይኹን
ካልእ ነገራት ጋብዝዮ። ኣብ ነብሲ ወከፍ
እትራኸቡሉ እዋናት ኣቓልቦ ብምሃብ፡
ከም እትግደስሉ ኣርእይዮ። ብኣካዳድናኺ፡
ጽሬትኪ፡ ስራሕኪ፡ ኣዘራርባኽን
ኣካይዳኽን ጥቅውቲ ዄንኪ ቅረብዮ።
ንእግረ መንገድኺ’ውን፡ ኣባኺ ከመይ
ዝበለ ስምዒት ከም ዘለዎ ተዓዘብዮ።
ዝዀነ ኣንፈት እንተ ዘይርኢኽሉ ግን፡
ክትቀብጽሉ እትኽእሊ ሜላታት ሃሰስ
በሊ።