Coronavirus

About Coronavirus Disease 2020 (COVID-19)

በቲ ካብ ቻይና ተበጊሱ ናይ ሓያሎ ሃገራት ተላቢዑ ዘሎ ብCOV-19 ዝፍለጥ ዓይነት ቫይረስ ዝሞቱ ዘለዉ ግዳያት እንዳ በዝሑ ኣብ ዝኸድሉ ዘለዉ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ናይ ናይ ጥዕና ሓደጋ ከም ዝኣወጀ ተገሊጹ። እዚ ንኣስታት 2,600 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ሓድሽ ቫይረስ፡ ትማሊ ሰኑይ እውን ኣብ ኩዌት፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ባሕሬንን ከም ዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። እዚ ንመጀመርታ ግዜ ዝሓለፈ 31 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዉሃን – ቻይና ዝተራእየ ቫይረስ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ጥራይ ኣብታ ከተማ ን150 ሰባት ከም ዝቐዘፈ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጾም። ብተመሳስሊ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት እንዳ ዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ፡ ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት በቲ ቫይረስ ተቐዚፎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ተላባዒ ቫይረስ፡ ካብን ናብን ዓዲ ጥልያን – ኣውስትርያ ዝግበር ኵሉ ናይ ባቡር መጓዓዝያ ጠጠው ከም ዘበለ ሮይተርስ ሓቢሩ። ብተመሳስሊ፡ ሰብ-መዚ ኢራን ድሕሪ ዘውጽዎ – ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሮም 43 ከም ዝበጽሐን ካልኦት 12 ሰባት ድማ ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ዘመልክት መግለጺ፡ ቱርኪ፡ ፓኪስታትንን ኣርመኒያን ምስታ ሃገር ንዘራኽበን ዶባት ዓጽየንኦ ከም ዘለዋ ሮይተርስ ኣብ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። በዚ ብቕልጡፍ እናተላብዐ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሽ ቫይረስ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብድምር ኣስታት 79,000 ዜጋታት ተለኺፎም ከም ዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።