woman finds love

106-year-old woman finds love with toy boy

106-year-old woman finds love with toy boy

ማርጆሪ ሄመርደ ዝተባህለት ጓል 106 ዓመት ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ካብኣ ብ33 ዓመት ምስ ዝንእስ ጋቪን ክራውፎርድ ዝተባህለ ሰብኣይ ከተፍቅር ድሕሪ ምጅማራ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒባ። ብመሰረት መርበባት ሓበሬታ ኣውስትራልያ፡ እታ ብእርጋን ተሰኒፋ ዘላ ሰበይቲ ነቲ ወዲ 73 ዓመት ሰብኣይ ሕቒቕ ካብ እትብለሉ ድሮ ሰለስተ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዞም ብቖጸራ ፍጹም ከይተራኸቡ ዘይውዕሉ ፍቑራት ንፈለማ ግዜ ኣብ ከተማ ኪው – ኣውስትራልያ’ዮም ፍቕራዊ ሌላኦም ጀሚሮም። ክልቲኦም ዘይተመርዓዉ ብምንባሮም ድማ ሌላኦም ቀልጢፎም ናብ ፍቕራዊ ዕርክነት ኣሰጋጊሮምዎ። ኣብ ፈለማ ክልቲኦም ፍቑራት ቃልኪዳን መርዓ’ኳ ክኣስሩ ተሰማሚዖም እንተነበሩ፡ ደሓር ግን እቲ ጉዳይ ከምዘየምሕረሎም ተገንዚቦም ንግዜኡ ከወንዝፍዎ መሪጾም። “ንክራውፎርድ ኣፍቃሪየይ ገና ክምርዓዎ እደሊ’የ። እዚ ከኣ ማዕረ ክንደይ ዘይሓላፍነታዊት ምዃነይ ወትሩ የዘኻኽረኒ። እንታይ’ሞ ክገብር! እንድዩ ባህታ ዝፈጥረለይ ኮይኑ! እዚ ገለ ካብቲ ‘ኒውስ. ንዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዝሃበቶ ቃል’ዩ።ኩሉ ዘሕጥእ ተግባራት ” ኮም. ኤዩ’