ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ – ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ምስ ውድብ ጥዕና ክትበትኮ ምዃና ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ – ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጸንሓ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ምዃና ኣፍሊጡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ጉዳይ መርመራታት ምርግጋጽ መበገሲ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ሻራ ቻይና ከምዝሓዘን ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መሰረታዊ ሓላፍነት ከምዘይወሰደን ብምኽሳስ’ዩ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሃገሩ ዝምድናኣ ከምእትበትክ ሓቢሩ ዘሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዓመታዊ ናይ 40 ሚልዮን ዶላር ፊናንሳዊ ደገፍ እትገብር ቻይና፡ ልዕሊ’ታ ዓመታዊ ኣስታት 450 ሚልዮን ዶላር እትድግፎ ኣመሪካ፡ ኣብ’ቲ ውድብ ተሰማዕነት ከምዘለዋ’ዩ ወቒሱ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝገብሮ ዝነበረ ፊናንሳዊ ደገፍ ብምቊራጽ፡ እቲ ውድብ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ኣብ ኣካይዳኡን ኣሰራርሓኡን ምምሕያሽ እንተዘይጌሩ፡ ክገብሮ ዝጸንሐ ፊናንሳዊ ደገፍ ከቋርጾ ምዃኑ’ዩ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ብምንጻግ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ’ዚ ዓለም ንዝኸፍአ ጥዕናዊ ሓደጋ ተቓሊዓትሉ ዘላ እዋን ከም’ዚ ስጉምቲ ምውሳዱ “ዘይሓላፍነታዊ” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ካልኦት ኣባል ሃገራት ንዝገጥሞ ሕጽረት ባጀት ንምሕዋይ እጃመን ከበርክታ ጸዊዑ’ሎ።

ድሮ ቻይና፡ እቲ ውድብ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንምድጋፍ፡ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ፊናንሳዊ ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ’ላ።