ጋዜጠኛ ኣብርሃም ብዛዕባ ሞት ድምጻዊ ዮናታን (ዱላ) ዝሃቦ ሓበሬታ

ስነስርዓት ቀብሪ ህቡብ ድምጻዊ ዮናታን ታደስ (ዱላ) ተዛዚሙ!! ጥርዚ ህቡብነትን ሞትን! ትማሊ ምሳና ዝሰሕቅን ብላዛ ስሓቁ ተፈታውን ተብሃግን ዝነበረ እሞ ድማ ተናፋቂ ንሓዋሩ ክትፋነዎ ርዝነቱ መለክዒ ኣይርከቦን!ስሓቁ ጭርቃኑ ደርፈታቱ ኣብ ኣብ ኣእሙሮኻ እናተመላለሰ ህልው’የ ይብለካ ምእማኑ ትስእን ዓይንኻ ንብዓት ልብኻ እምብዛ ትርግታ ይድግደጋ ከቢድ ፈነወ ምእማኑ ከቢድ ምቕባሉ ከቢድ ኣጸናናዒ ዘይርከቦ ሓዘን!!! ከምሎም ኣብ ዓመታ ሰፊሕ ዕላል ኣብ ኣራርራት ኢንተርተይመንት ኣክይዳ ኔርና ናይ ምዓልቲ ስእልና ኣብ ድርፎ ከምሎም ዕለት 5/12 2021 እያ ኔራ ኣብ ዓመቱ ብዘይእመን ኣለም ናተይ’ዩ ትብል ኣላ ዘይእመን ዘይጽወር ዘይካል ሞት! ካብ ብኩላ ነገራ ብጥበብ ዝዓበየትን ብጥበብ አትነብርን ስድራዩ ተወሊዱ ወላዲኡ ኣቦይ ታደሰ ብቅንየ መዝሙር ወላዲቱ ኣደይ ሃይማኖት ብምረቃ ነቲ ብኣብ ልበይ ኣሎ ምስላ ትብል ጣዕሚ ዜማ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ክኣካቱ ዝኸኣለ ዱላ ምረቓ ስድርኡ ከምዘይ ተጋደፎ ዘነጽር አዩ።እታ ደርፊ ክትዝርግሕን ህቡብነትን ስምን ዮናታን ታደሰ (ዱላ) ሰማይ ክዓርግን ሓደ ኮነ።ኣመጻጽኡን ሒዝዎ ዝመጸ ቕድን ፍሉይ ስለ ዝነበረ ልቢ ኩሉ ትዓዛቢ ሰሊቡ መንባሩ ይዝከር።ብፍላይ ኣብ ክራርን ግርፊት ኣትሃራርሙኡን ሓደስቲ ቅኒታቱን ምልከት ክራሩ ፍሉይ ምንባሩ የርድኣካ። ኣብ ኣሃደኡን ካልእ ቦታታትን ዱላ ክራር ክሃርም ክደርፍ ናይ ወትሩ ጠለቦም ምንባሩን ይዝከር ። ስነጥበበኛ ዮናታን ታደሰ (ዱላ) ምስታ ምስ ህዝቡ ዘላለየቶ ኣብ ልበይ ኣሎ ምስላ ትብል ጣዕሚ ዜማ ኣብ ቅዲ ኣስዓስዓ ዝእተዎ ፍሉይ ምንቅስቃስ ተዘካርን ተፈታዉን ካብ ዝገብሮ ኢዩ።ዋላ ኳናይ መጀመሪያ ናብ ሰብ ዝዘርግሓ ደርፊ ፍሪሐልኪ ትብል ድርፊ እንተኾነት ሰብ ግን ፡እንዳ ነጠረ ክደርፍ ብሂግዎ። ዱላ ብህጊ ተዓዘብቲ ንምርዋይ ኣብ ዝቅጽላ ስርሓቱ ብፍሉይ ስራሕን ቅድን ከቅርብ ኢዩ ተራእዩ። ኣብ ልበይ ኣሎ መስላ ትብል ደርፊ ብፍሉይ ሳዕሲዒት ኣብ ሓዘኪ ልበይ ትብል ደርፊ ብጣቕዒት ኣብ ሚሊቶ ትብል ደርፊ ብፋጻ ኣብ ታቱላ ትብል ድርፊ ብፋምፍም ጡሩምባ ኣብ ረኺበ ትብል ደርፊ ብፉሉይ ቅዲ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ትብል ደርፊ ብፉሉይ ድምጺ ኣብ ከመይ ኢላ ትብል ደርፊ ድማ ህርመት ጉይላ ክንሱ ግን ዝሕል ዝበለን ዱላ ዘይከም ቀደሙ ሳዕሲዒት ዘይብላ ጌሩ ዝደረፋ’ያ ። ውህድት ዱላ ምስ መሳርሕቲ ማለት ዜማ’ኳ ዝበዝሕ ባእሉ ስለ ዝገብሮ ምስ ገጠምቲ፡ሙዚቀኛታት፡ ዳይረክተራት ዝነበሮ ናይ ስራሕ ዝምድና ዕዙዝ ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል። ሰዓሪት ትብል ሃገራዊት ደርፉ’ውን ንኽትሰምዓ እትዕድም ጥዕምቲ ግጥሚ ዜማ’ያ። ብፍሉይ እታ ንሰማእታት ኤርትራ ዝደረፍ ብፍሉይ ቅዲ ሳዕሲዒት ኣሰንዩ ዝደረፋ ኣብ ኣገላልጽኡን ፍሉይነት ሓሳባቱን ኣጉሊሓ እተርኢ ናይ ሰማእታት ደርፉ’ያ። ኣብ 25 ዓመት ቡሩራዊ ኢዩቤል ሳዋ ዘቕረባ ሃገራዊት ደርፊ፡ ኣነባብራ ተመሃሮን ሂወት ተዓለምቲ ሳዋ ኣጉሊሓ ተርኢ ደርፊ ብሙኻና ብተዓዘብቲ ፍሉይ ምስጋን ዝረኸበላ ስራሕ ብምንባራ ይዝከር። ስነጥበበኛ ዮናታን ታደሰ (ዱላ) ጥበቡ ብዙሕ ኢዩ ኣብ ክዑሶ ክኢላ ኣብ ድርፊ ንፉዕ ዜምኡ ተሰማዒ ንፍዕ ከራራይ ኣብ ትልሂት ዘይደክም ኬሮግራፈር ሙኻኑ ናይ ቐረባ መሳርሕቱ ይምስክሩ። ስነጥበበኛ ዮናታን ታደሰ ዱላ ፍሉይነት ኣከዳድንኡ ልቢ መንእሰያት ምዉናኑን ኣይርሳዕን ብፍሉይ ጅልዕ ዝበለ ማልያ ኣብ ሹቕ ዱላ ዝበል መጸውዒ ለጊብዎ።ቅዲ ኣቐማቕሙኡ ብመንእሰያት ዝተለምደ እና ኾነ ይመጽእ ኣሎ ኮታ ጸላዊ አዩ ምባል ምስ ድፍረት ኣይሕሰብን ይኸውን። ስነጥበበኛ ዮናታን ኣብ ናይ ጋዕዳ ደርፊ ዝነበሮ ምልከት ክራር ፍሉይ ግጥምታት ዜማታት ግዕዳን ንህቡብነቱ ጥርዚ የብጽሖ። >ኣነ ድማ ኣይመወትን ከምናይ ሙሴ ክድሕን ኢየ ትብል ናይ ጋዕዳ ደርፊ ክሳብ ሎሚ ተዘካሪት ደርፊ ኢያ። ናይ ካሴት ምሕታም ሓሳቡ ከፈጸመ ብደረጃ ኣህጉርና ተወዳዳሪ ደርፊ ከየቅረበ ሕልመታቱ ኣብ ምፍትሑ ዱላ ግን ጥበብ እዛ ዓለም ዕሽነትዩ’ሞ ንኣምላኽና ኣይንጥለሞ እና በለ ይሃልፍ ኣሎ። ጥርዚ ህቡብነቱን ንስነ ጥበብ ቓንዛ ኢዩ።ልክዕ ዓሚ ከምዚ እዋን ተመሳሳሊ ዕለት ንስነጥበባዊ ሂወቱ ዝገልጽ ቓለ መሕትት ኣካይዱ መንባሩ ወን ይዝከር። ተሰዊኡ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ ስሓቑን ጭርቓኑን ጎየይቲ የእጋሩን ናብ መቓብር የምርሓ ኣለዋ፡ ጥበቡ ገን ወትሩ ኣብ ልብና ኢዩ ሰፊሩ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት Abraham Michael ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ