ጀነራል ታደሰ ወረደ ንሰራዊት ትግራይ መጠንቀቕታ ሂቡ

ብማዕከናት ዜና ህወሓት ኽንከታተሎ ከም ዝቀነና 65% ዝኾኑ ዕጡቃት ናይ ጁንታ፣ ዕጥቖም ኣረኺቦም ናብ መዳጐኒ ካምፕታት ኣትዮም ምህላዎም ይፍለጥ። ካብዚ ብዝተፈለየ፣ ገለ ሰራዊት ዕጥቕና ኣይንፈትሕን ዝበሉ ዕጡቃት’ ድማ ኣለዉ። ነዚኦም ዕጥቖም ንምፍታሕ ውሽጢ-ውሽጢ ምንቕስቃስ ክግበር ጸኒሑ’ዩ። ኮይኑ ግን እቶም ዕጡቃት፣ ዕጥቆም ኣይፈትሑን። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ማይ-ጨው፣ ቆላ ተነቤን፣ መኾኒ ዝርኸቡ፣ ነቲ ብህወሓት ዝመጾም ትእዛዝ ዕሽሽ ብምባል ተቃውሞ ይገብሩ ኣለዉ። ጀነራል ታደሰ ወረደ  ነዚ ኣመልኺቱ “ዕጥቂ ዘይትፈትሑ እንተኾይኖም – ስጒምቲ እንተተወሲድልኹም ሓላፍነት ኣይንወስድን” ብቕልጡፍ ዕጥቆም ንኽፈትሑ ነቲ ዝተመጸ ሰላም ንኽቕበሉ ምስ መጠንቐቅታ፣ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ሓቂ media ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።