ዶ/ር ኣብዪ ብዛዕባ ተጌሩ ዘሎ ስምምዕ መግለጺ ሂቡ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ብዛዕባ ተጌሩ ዘሎ ስምምዕ እንታይ እዩ ኢሉ፡ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ክልል ደቡብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ብምሉእ ልብና ይቕረ ክንብልን ሓድነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ክንመልስን ንደሊ” ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ፡ “ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ናብቲ ናይ ቀደም ስምዒት ሃገር ንምምላስን ብሓባር ደው ክብሉ ብትሕትና እሓትት” ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ፡ “ዘለና ተኻፊልና ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተጎድአ ህዝብና ክንሕግዝ ምስ እንኽእል እዩ ጅግንነትና ዝረጋገፅ” ኢሉ’ሎ። “ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ዘየድሊ ኩናት፣ ዘየድሊ ጉድኣት፡ ከብቅዕ ኣለዎ” ክብል ተማሕጺኑ። ንሱ ነዚ ዝገለፀ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ብስምምዕ ምስተዛዘመ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ። ኣብ ዘረብኡ፡ እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶም ድሌታት ምሉእ ብምሉእ ዘማለአ ምዃኑ’ውን ገሊፁ።ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ክልቲኦም ወገናት፡ ተጻብኦታት ንምቁራጽ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕን ‘ሓይልታት ህወሓት’ ዕጥቂ ምፍታሕን ዝርከብዎም 12 ነጥብታት ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ትማሊ 23 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም “ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ዝጀመረ ለውጢ ንቕድሚት ንምስጓም ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ” ሓቢሩ። ስለዝኾነ’ውን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዳግመ ህንፀት እቲ ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢ ንሓፈሻዊ ልምዓትን ዘለዎም ደገፍ ከሐይሉ ሓቲቱ’ሎ። እቲ ዝርርብ ሰላም ውፅኢታዊ ንክኸውን ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ዘመስገነ ኮይኑ፡ ንላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፣ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፉሙዜላ ላምቦን ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ብፍላይ ምስጋና ኣቕሪቡ። እቲ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝተዘርግሐ ዝዝከር እዩ። እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣስዒቡ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ ገይሩ። ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ህይወቱ ስኢኑ እዩ።እዚ ሓበሬታ ካብ ወግዓውያን ገጻት bbc/tigrinya፡ ወሲድና ናባኹም ነብሎ ከምዘለና ንሕብረኩም።