ዜና ሓጎስ ኤርትራውያን

ማህደረ ትምህርቲ ረኺቦም፡ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ንምቅጻል 17-ተማሃሮ ሞስኮ ሩሲያ ኣትዮም፡ እቶም ተማሃሮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ፡ ሚኒስትርታትን ኣቢያተ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ክሰርሑ ዝጸንሑ ዜጋታት ኮይኖም፡ ብካልኣይ ዲግሪን (Masters)፡ ከም’ኡ ዉን ማዕርግ ዶክትረይት (PhD)፡ ብባህሪያዊ ስነ-ፍልጠት – ምህንድስና፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ (Natural Science, Engineering, Information Technology)፡ ቁጠባን ምሕደራን (Economy and Management)፡ ሕክምና (Medical)፡ ከም’ኡ ዉን ካልኦት ዓዉድታትን ትምህርቶም ክቅጽሉ ምኳኖም ተፈሊጡ። ሃገራት ኤርትራን ሩሲያን፡ ብተመሳሳሊ ካልኦት ጽላታት – ኣብ መዳይ ትምህርቲ ክተሓጋገዛ – ኣቀዲመን ኣብ 2015 ብመሰረት ዝበጽሕኦ ሓባራዊ ስምምዕ፡ ኣብዚ ወቅቲ’ዚ፡ ዓመታዊ ተማሃሮ ናብ ንፈደረሽን ሩሲያ ክለኣኹ ምጽንሖም ይዝከር። ተማሃሮ፡ ኣብ ርእሰ-ከትማ ሩሲያ ሞስኮ ኣብ ዝበጽሕሉ፡ ብኣባላት ስታፍ ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር፡ ምዉቅ ኣቀባብላን ናይ ድራር እንግዶትን ተኻይድሎም;ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”Tedye Temesgen”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።