ዘለናዮስ 7ይ ክፋል – ZELENAYOS

ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ቅድሚ 100 ዓመታት ብህቦብላዊ ማዕበል ዝጠፍኣ ደሴታት ኣብዚ እዋን’ዚ ዳግማይ ይበቝላ ከምዘለዋ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ 1905 ዝተላዕለ ሓያል ህቦብላዊ ማዕበል፡ ናዲክዲክ ኣቶል ንዝተባህላ ክፋላት ናይ ደሴታት ማርሻል ምሉእ ብምሉእ ሓጻጺቡ ወሲድወን። ነበርተን እውን ብዘያካ ክልተ ሰባት፡ ካልኦቱ ብምሉኦም ሞይቶም። እተን ደሴታት ግን ሕጂ ዳግማይ ይቕልቀላ ኣለዋ። ‘ዘ ኒውዚላንድ ሄራልድ’ ዝተባህለ ጋዜጣ ከምዝሓበሮ፡ ብፍላይ ሓንቲ ካብተን ደሴታት ምሉእ ብምሉእ ነብሳ ኣቚማስ፡ ድሮ ኣግራብ ከተብቁል ጀሚራ ኣላ። እቲ ናይ ሽዑ ማዕበል፡ ካብ ውሽጢባሕሪ ዘልዓሎ ገዚፍ ዓቐን ዘለዎ ድበትን መርጀንን (ኮራል) ናብተን ደሴታት ስለዝደርበዮ፡ እተን ደሴታት ድሕሪ ዓመታት ቀስ ብቐስ ነብሰን ክውድባ ሓጊዝወን ክኸውን ከምዝኽእል፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክላንድ ዶክተር ሙራይ ፎርድ የረድእ። ካብ 1945 ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ክለዓሉ ዝጸንሑ ኣሳእል ከምዝሕብሩዎ፡ እተን ቀደም ብዘይካ ሑጻ ዋላ ሓንቲ ህይወት ዘለዎ ነገር ዘይነበረን ደሴታት ሕጂ ኣግራብ የብቁላ ኣለዋ። ብሕጂ’ውን ብዙሓት ደሴታት ብህቦብላዊ ማዕበል ክጠፍኣን መሊሰን ክቖማን ከምዝኽእላ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ይእምቱ።