ዓቢ ሓበሬታ | ዝቕጽል ኣኼባ ኣብ መቐለ፡ ሓጎስና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንጽንብሎ ኢና ተባሂሉ

ሼር ምግባር ኣይንሕማቕ፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ህወሓት ጀነራል ታደሰ ወረደን ሎሚ ሰኑይ 28 ጥቅምቲ 2015 [07 ሕዳር 2022] ኣብ ናይሮቢ – ኬንያ ዝርርብ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ። እዞም ዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም ዝላዘቡ ዘለው፡ ብዛዕባ መስርሕ ምፍታሕ ኣጽዋር ከም ዝዀነ ክሕበር ከሎ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ-ስልጣን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ዘተ ንዝቕጽሉ ሰለስተ መዓልታት ከም ዝካየድ  ፤ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብመሰረት እቲ ብረቡዕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት መሰረት ብምግባር፡ ዕጡቓት ትግራይ ኣጽዋር ክፈትሑ ተሰማሚዖም’ዮም። ብመሰረት’ቲ ክልቲኦም ወገናት ዝበጽሑዎ ምርድዳእ፡ እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም  ወገናት ብኣካል ተራኺቦም ብዛዕባ መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ክዘራረቡ ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ ነይሩ እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ዝወከለ ሓለቓ ስታፍ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ንዋና ኣዛዚ ሰራዊት ህወሓት ጀነራል ታደሰ ወረደን ንዘተ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ተራኺቦም ኣለዉ። ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ፡ ምጅማር እቲ ዘተ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ እቶም ተዛተይቲ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ክውን ንምግባር ከይተሓለሉ ከምዝሰርሑ ኣቢሮም ኣለዉ። ኦባሳንጆ፡ “ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ክልቲኦም ኣካላት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ንዘተ ኣብ ናይሮቢ ምርኻቦም፡ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ኣወንታዊ ተስፋ ከምዘለዎ ዘመልክት’ዩ” ኢሉ። ኡሁሩ ኬንያ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝታይ ናብዚ ዝመጽኡ ክልተ ውልቀሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝፋለጡ መሳርሕቲ ምዃኖም ብምሕባር፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መስርሕ “ንዝሓሸት ኢትዮጵያን ንረብሓ እቲ ዞባን ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝመጽእ እምነት ኣሎኒ” ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።  እቲ ዘተ ኣብ ፕሪቶርያ ኢና ጀሚርናዮ፤ ሕጂ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኣለና፤ ዝቕጽል ኣኼባና ኸኣ ኣብ መቐለ ከምዝካየድ ተስፋ ኣሎና። ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንጽምብሎ ኢና። እዚ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ” ክብል ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዖም ቀንዲ ዛዕባታት ካብ ዝነበሩ እቲ ሓደ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራይ ከምዘሎ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ይዝከር። እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ክልቲኦም ወገናት ተሌፎን ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ። ብድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝህልዉ 30 መዓልታት፡ ቀለልቲ ኣጽዋር ሓዊሱ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ክዛዘም ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት BBC/ TIGRIGA ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።