ዓቢ ሓበሬታ ተዘርጊሑ | ፍሉይ ምዕባሌታት

ዓቢ ሓበሬታ |ፍሉይ ምዕባሌታት – ብመሰረት ሎሚ 1 ታሕሳስ 2022 ዝተፈነወ፡ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣገልግሎት ርክባት መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጲያ፡ ዕጡቅ ጉጅለ ህዉሓት ብረት ንምዉራድን ናብ መዓስከር ተሃድሶ ንምእታዉን ዝዓለመ፡ ካብ ትማል 30 ሕዳር 2022፡ ኣብ ከተማ ሽረ ናይ ሓባር ኮሚተ ብምቋም፡ እቲ መስርሕ ብወግዒ ከም’ዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ መስርሕ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ፕሪቶሪያን፡ ናይሮብን ኣቀዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ቆይሙ ስርሑ ጀሚሩ ዘሎ ኮሚተ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን – መንግስቲ ፈደራልን ዕጡቅ ጉጅለ ህዉሓትን ዝተዋጽአ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ስርሑ ከጻፍፍ ትጽቢት ይግበር። ከም ጭቡጥ ምዕባሌታት፡ ድሮ ሎሚ 01 ታሕሳስ 2022፡ ዕጡቃት ሰራዊት ህዉሓት፡ ካብ ዓሪዶምሉ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይወጽኡ ኣለዉ። ንሲቪላዊ መዓላ ዝዉዕል፡ ሓዲሽ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይ ዉን ይቀዉም ከም’ዘሎ፡ ምንጭታትና የረድኡ። ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝድገፉ፡ ካብ ሰራዊት ፈደራል ወጻኢ ዝኮኑ ሓይልታት፡ ዴምህትን ፋኖን፡ ነቲ መስርሕ ምዉራድ ከበድቲ ኣጽዋር ክዉን ንምግባር፡ ካብ ተቆጻጺሮመን ዝነበሩ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ብምዝላቅ፡ ከም’ቲ ስምምዕ ናይሮቢ ዝእዝዛ ጌሮም ኣለዉ። ሓበሬታ ኣገልግሎት ርክባት መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጲያ ገሊጽዎ ከም’ዘሎ፡ እዛ ቆይማ ዘላ ኮሚተ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ ጸብጻባ ከየቅርብ ትጽቢት ይግበር።እዚ ሓበሬታ ካብ ወግዓውያን ገጻትNationalEr Interest Society (ዘተ)፡ ወሲድና ናባኹም ነብሎ ከምዘለና ንሕብረኩም።