ዓቢ ሓበሬታ | ህወሓት ኩሉ ቦታ ገዲፈሞ ወጺኦም

እዚ ሓበሬታ ሓደ ካብ ወግዓውያን ገጻት ህወሓት TMH ሕጂ ዝወጸ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ሒዝዎ ካብ ዝነበረ  ድፍዓትሓዲግዎ ምውፃእ ከም ዝጀመረ ተገሊፁ። ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ምፍራሙ ስዒቡ ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዋና ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ንተግባራውነት እቲ ስምምዕ ብዝፈረምዎ መሰረት ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝነበሮ ቦታ ገዲፉ ምውፃእ ጀሚሩ ከም ዘሎ ምንጭታት የመላኽቱ ። ድሕሪ ዉዕሊ ስምምዕ ናይሮቢ ዋና ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን 15 ሕዳር 2022 ዓ/ም/ፈ ናብ ቦትኦም ምስ ተመለሱ ንዝቕጽሉ ሸውዓተ መዓልታት እረሕትንን መላእ ኣባላት ሰራዊትን ኦሬንቴንሽን ክወሃብ ቀኒዩ እዩ። ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ መዓልትታት ሰራዊት ትግራይ በቲ ስምምዕ መሰረት ካብ መስመራት ውግእ ክለቁ ብዝእዝዞ መሰረት ሰራዊት ትግራይ ብዝተውሃቦ ኦሬንቴንሽንን መምርሕን ነቲ ስምምዕ  ንምትግባር ካብ መስመራት ውግእ  ምዉፃእ ጀሚሩ  ከምዝሎ ይሕበር። ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት TMH ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።