ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ናይ ዓሶ መድሃኒት “ሃይድሮክሲክሎሪን” ንመፈወሲ ኮሮና ቫይረስ ንኸይውዕል ንዘሕለፎ መምርሒ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ከተግብሮኦ ጀሚረን። ዓላማዊ ውድብ ጥዕና ነዚ መምርሒ ዘሕለፈ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝተገብረ ፈተነ፡ እቶም “ሃይድሮክሲ-ክሎሪን” ዝተዋህቦም ግዳያት ኮሮና ቫይረስ፡ ካብ’ቶም ነቲ መድሃኒት ዘይወሰዱ ዝያዳ ንሞት ከምእተቓልዑ ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ።
ናይ ዓሶ መድሃኒት ምዃኑ ዝፍለጥ ሃይድሮክሲ ክሎሪን ፡ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምፍዋስ ከገልግል ከምዝኽእል ብሓደ ፈረንሳዊ ሓኪም ድሕሪ ምግላጹ ፡ ብርክት ዝበሃላ ሃገራት ክጥቀማሉ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ። ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ተራእዩ ክኽልከል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ብዘይካ ኣሜሪካ ፡ ዳርጋ ኩላተን ሃገራት ኤውሮጳ ከተግብራኦ ጀሚረን ኣለዋ።
