ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምኽሳቱ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምኽሳቱ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ልዕሊ 30 ሃገራት ኤውሮጳ ምልክታት ካልኣይ ማዕበል ናይ’ቲ ለበዳ ከምእተራእየ ዝገለጸ’ቲ ውድብ፡ ኣብ ሕቡራት
መንግስታት ኣመሪካ’ውን ዳርጋ ርጉጽ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።
እተን ሃገራት፡ ንዝወረደን ቍጠባዊ ክሳራታት ንምሕዋይ ዝወሰደኦ ዘለዋ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምጅማር
ስጕምቲታት፡ ንምልባዕ ካልኣይ ማዕበል ባይታ ከምዝኸፍት’ዩ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ከጠንቅቕ ጸኒሑ።
ደቡብ ኮርያ፡ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝተራእየላ ናይ ፈለማ ሃገር ምዃና፡ ጸብጻባት ጥዕና የመልክቱ።
ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ተፈጢሩ ምስ ዘሎ ቍጠባዊ ጸገማት ንምግታኡ ከቢድ ብድሆ ክኸውን
ከምዝኽእል፡ ክኢላታት ጥዕና ይእምቱ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝተኸስተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ መጠን ምልባዑ ገና ከምዘይጐደለ ይፍለጥ።