ዋዕላ ኣባል ሃገራት ‘ጉጅለ-7

ዋዕላ ኣባል ሃገራት ‘ጉጅለ-7’ ናብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ተሰጋጊሩ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ 10 ክሳብ 12 ሰነ ኣብ ሃገሩ ክካየድ ተወጢኑ ንዝነበረ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ‘ጉጅለ-7’ ናብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ክሰጋገር ወሲኑ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ቀንዲ ምኽንያት’ቲ ስጕምቲ ብንጹር’ኳ እንተዘይተሓበረ፡ ኣባላት’ቲ ብቊጠባ ዝበልጸጋ ሃገራት ዝሓቚፍ ውድብ ዘይኮና ሩስያ፡ ህንዲ፡ ኣውስትራልያን ደቡብ ኮርያን ኣብ’ቲ ዋዕላ ክሳተፋ ዕድመ ክግበረለን ከምዝጠልብ ኣፍሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነተን ኣብ’ቲ ዋዕላ ክሳተፋ ሓርይወን ዘሎ ሃገራት ኣባልነት ንምሃብ ዘእንፍት ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፡ ነቲ ውድብ ዳግማይ ናይ ምኽላሱ መደብ ክህልዎ ከምዝኽእል ግን ተንተንቲ ይእምቱ።

ኣባል ሃገራት’ቲ ጉጅለ፡ ንህልው ፖለቲካውን ማሕበረ ቊጠባውን ኩነተ ዓለም ዝውክላ ከምዘይኮና’ዩ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ።

ንኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጃፓን፡ ጀርመን፡ ኢጣልያን ካናዳን ዝሓቊፍ ጉጅለ-7፡ ዘካይዶ ዋዕላ ንዓውለማዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ መጻኢ ኣብ ምንዳፍ ተራ ዝጻወት ምዃኑ’ኳ ይግለጽ እንተኾነ፡ ብዘይካ ንረብሓታት ኣባል ሃገራት ንኻልእ ዘይውክል ብምዃኑ ግን፡ ካብ ሓያሎ ሃገራት ተቓወሞ ክገጥሞ ምጽንሑ ይሕበር።