ካብ ከተማ ሽረ ዓቢ ዜና ተዘርጊሑ

ኣንበሳ ባንክ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኡን ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብዝሒ ጨናፍር ካብ ዘለዎም ባንክታት ሓደ፡ኣንበሳ ባንክ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ብርኪ ትካል፡ ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ፡ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ከባቢኣን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ፡እቲ ባንክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ምክያዱ፡ንፈለማ እዋን ኣገልግሎት ባንክ ኣንበሳ ስርሑ ምጅማሩ፡ኣብ ጸገምን መከራን ወዲቊ ዘሎ ህዝቢ፡ብተዛማዲ ተስፋ ዝህብ እዩ። ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ወጋገን ባንክ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክጅምሩ ትጽቢት ይግበረሎም። Update-ተወሳኺ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ትግራይ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን’ውን ኣገልግሎት ባንክ ጀሚሩ ኣሎ። ሰላም ኣብ ኩሉ፡ንኹሉ!ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”Yossief Worke Asrat”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።