ካብ ትግራይ ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ኣብዘውፀኦ መግለጺ ኣብ ከተማታት ሽረ: ኣላማጣን ኮረምን ውስን ኣገልግሎት ባንኪ ከምዘጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ዝተጀመረ ኣገልግሎት፣ ገንዘብ ብሓዋላ ምቕባልን ናብ ባንኪ ገንዘብ ምእታውን ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኩነታት እንተፈቒዱ ኣብ ኩለን ጨንፈራት ኣገልግሎት ባንኪ ብስፍሓት ከምዝጅምር እውን ኣፍሊጡ። ኣብተን ዝተባህላ ከተማታት ውስን ኣገልግሎት ባንኪ ምጅማሩ ድምፂ ኣመሪካ ካብ ነበርቲ ኣረጋጊፁ ኣሎ። መንነቱ ከይግለፅ ዝሓተተና ሓደ ነባራይ ከተማ ሽረ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ውሱን ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ። ኣብቲ ባንኪ ብሓዋላ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝተለኣኸ ገንዘብ ምቕባልን፣ ገንዘብ ናብ ባንኪ ምእታውን ከምዝከኣል ዝሕብር ምልክታት ተለጢፉ ምርኣዩ’ውን ተዛሪቡ። ገንዘብ ምውፃእን ምዝውዋርን ግን ኣይፍቀድን ኢሎምኒ ይብል። ካብ ከተማ ኣላማጣ ዘዘራረብናዮ ሓደ ነባሪ እውን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣገልግሎታት ከምዝህብ ገሊፁ ኣሎ። ብርሃን ባንክ ግን፣ ዓማዊሉ ገንዘብ የውጽኡ ከምዘለው ሓቢሩ ኣሎ። መንነቶም ከይግለፅ ዝሓተቱና ሓደ በዓል ሞያ ባንኪ፣ እተን ባንክታት፣ ሙሉእ ኣገልግሎት ዘይህባሉ ምኽንያት ገንዘብ ስለዘይብለን፣ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ስለዘየለን፣ ናይ ድሕንነት ዋሕስ ስለዝደልያን እየን ኢሎም። እተን ባንክታት ኣቕራሽ ክረኽባ ዝኽእላ ካብ ኣዲስ ኣበባ እዩ፣ እዚ ድማ መቐለ ከይተኸፈተ ዝኸውን ኣይኮነን ይብሉ። እተን ባንክታት፣ ናይ ሕሉፍ ሒሳበን ኦዲት ከይተገብረ፣ ሙሉእ ኣገልግሎት ክጅምራ ከምዘይኽእላ እውን ወሲኾም ገሊፆም። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፣ ካብቲ ባንኪ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካብ ገጻት ”tigrigna.voanews”ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ነዚ ሓበሬታ ብተገዳስነት ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነብጸሓዮ።